ኣቶ መስፍን ሓጎስ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝነበረን ምስቶም ጉጅለ 15 ዝበሃሉ ሰብ-መዚ ኤርትራ ለውጢ ዝጠለቡ ሓደ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ እዩ። ምስዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ዝተኣሳሰር ትንታነ ሂቡና ኣሎ።ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ቃለ መሕትት ኣብዚ ብምጥዋቕ ክስማዕ ይከኣል እዩ።
“ኢሳያስ፡ ኣብ ፈለማ 91 ንገለ ካብ ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ. ጸዊዑ፣ ‘ምስ ወያነ(ኢህወደግ) ናይ ሓባር መንግስቲ ከነቕውም ዝብል ጉዳይ ኣሎ፡ ተሰማሚዕና’ውን ኢና።’ ኢሉና ነይሩ።” መስፍን ሓጎስ Pt 1
Source: Mesfn Hagos