ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/05/2022)* ካፍ ስታድየም ባህር ዳር ኣህጉራዊ ግጥማት ከአንግድ ብቑዕ ኣይኮነን ኢሉ ክእግዶ ድሕሪ ምውሳኑ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ተካይዶም ግጥማት ኣብ ማላዊ ሃገራዊ ስታድየም ቢንጉ ከተካይዶም ምዃና ተፈሊጡ፣* ኮኾብ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዙር ኢጣልያ ዝነኣድ ምንቅስቓሳቱ ብምቕጻል ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት ኣብ ዝለዓሉ ሓሙሽተ ቦታታት ቅድድሙ ፈጺሙ፣* ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ዱ ሞርቢሃን ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ዝነኣድ መበል 22 ወጺኡ፣* ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ዝለዓለ ብዝሒ ሽቶታት ዘመዝገበላ ገዲም ተጻዋታያ ሰርጂዮ ኣጒሮ ሓወልቲ ትሰርሓሉ፣ እታ ሓወልቲ ግን ምስ’ቶም ብጽቡቕ ዝተሰርሑ ድያ ትስራዕ፧
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቢንያም ግርማይ ካብ ዝለዓሉ ተቐዳዳምቲ ጂሮ ብምዃን ይቕጽል፣ ኢትዮጵያ ኣብ ዓዳ ክካየዱ ዝግበኦም ግጥማታ ኣብ ማላዊ ከተካይዶም'ያ
Source: Girod'italia