ኣብዚ ቕነ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ አሕመድ ሓዲሽ ሰልፊ ክምስርትን ናይ “መደመር” ዝብል ፍልስፍና ኣልዒሉ ኣብዝጓየየሉ ዘሎ እዋን ብዙሕ ናይ ፖሊቲካ ምልውዋጥ ተራእዩ ኣሎ። ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን፡ ምኽትል ኣቦወንበር ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞን (ኦዲፒ) ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ውህደት ኢህወደግ ከምዘየኣምንሉ ንቪኦኤ ምግላጹ ድማ ነቲ ዝባራዕ ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ነዳዲ ወሲኽሉ ኣሎ። ኣቶ ታየ ደንደአ - ናይ ብልጽግና ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ጨንፈር ኦሮሚያ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ኣምሓርኛ ቃለ መሕትት ኣብዝሃቦ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁ ኣሎ።
“እቲ ምውህሃድ ኣድላዪ ከምዝኾነን ፍልስፍና “መደመር” ንኢትዮጵያን ንምብራቕ ኣፍሪቃ ጠቓሚ ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ እዮም” መልሲ ኣቶ ታየ ደንደኣ ንኣቶ ለማ መገርሳ
Source: Ethiopian Government