ሓጋዚ ፕሮፌሰር ወልደኣብርሃ ንጉሰ ምሁር ስነዜጋን ስነምግባርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ'ዩ። ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንኣካታዒን ኣሰሓሓብን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ ውህደት ኢህወደግ፡ ነዚ ዝቃወም ዘሎ ህወሓትን ጸዊዕዎ ዘሎ ህጹጽ ጉባኤን፡ ብሓፈሽኡ መጻኢ ዕድል ኢህወደግን ክንምልከት ኢና። ኣብ'ዚ ዕላል ዝተኻተቱ፡* 'ኢህወደግ ካብ ውሽጡ ብዝቦቐለ መሪሕነት ነብሱ ኣጥፊኡ'ዩ'* 'ነቲ ለውጢ ኣነ 'ጥይት ዘይተተኮሶ ዕልዋ መንግስቲ እየ ዝብሎ'* ብህወሓት መሪሕነት ተወጢኑ ዝነበረ ለውጢን ብብልጽግና ፓርቲ ዝካየድ ዘሎ ለውጥን እንታይ ፍልልይ ኣለዎም?* ሕጊ ምፍራስን ምብታንን ወይ ከአ ውህደት ምፍጣር እንታይ ይመስል? ስልጣን ከየረከብካ ሱቕ ኢልካ ስም ክትቅይር ይከኣል ዶ?* ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ዘሎ ህወሓት ድዩ ወይስ እቶም ብብልጽግና ፓርቲ ዝምርሑን ኣብ ውህደት ዝጽንበሩ ዘለውን?
ኢህወደግ ካብ ውሽጡ ብዝቦቐለ መሪሕነት ነብሱ ኣጥፊኡ፡ ነቲ ለውጢ ኣነ 'ጥይት ዘይተተኮሶ ዕልዋ መንግስቲ' እየ ዝብሎ
Source: Youtube