ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/12/2019) * ኬንያዊ ጎያያይ ማራቶን ኤልየድ ኪፕቾገ ናይ’ዚ ዓመት ኮኾብ ስፖርት ዓለም ተባሂሉ ብስፖርትስ ፐርሰናሊቲ ተመሪጹ፡ * ኣብ ኮልካታን ማላጋን ኢትዮጵያውያን ጉቴኒ ሾኔን ሰላማዊት ጌትነትን ክብረወሰናት ዝተወዳደራሉ ከተማታት ብምምሕያሽ ተዓዊተን፡* ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሪያል ሶሰይዳድ ሽቶ ብምምዝጋብ ጉዕዞ ባርሴሎናን መሲን ኣብ ላሊጋ ይገትእ፡ * ሃገራዊት ጋንታ ኩእግሪ ኤርትራ ኣብ ግጥም ዋንጫ ብድሆ ሴካፋ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ፡ ደቀንስትዮ መንእሰያት ት17 ከኣ ብኡጋንዳ ብገፊሕ ክሰዓራ እንከለዋ ንጂቡታውያን ግን ስዒረንአን፡* ዝተሰባበረት ራኬት አሜሪካዊት ኮኾብ ባይታ ቴኒስ ሰረና ዊልያምስ ብኽቡር ተሸይጣ
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ
Source: NY Times