ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሖ ምርመራ ብህጹጽ ክግበረሉ ዝተጠርጠረ ፍርዲ፣ ስድራቤት ግዳያት ካሕሳ ክረኽቡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ።ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን መገድን ትራንስፖርትን ጊዜያዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ትግራይ ንሰላሳ ዓመታት ዘዋህለለቶ ሃብቲ ብዕጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን ከም ዝዓነወን ከም ዝተዘምተን ኣብሪሁ። ሮይተርስ ብግዲኡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ከባቢ ከተማ ግጀት ውግእ ኣብ ዘይብሉ እዋን ልዕሊ 500 ገዛውቲ ከም ዝነደደ ሓቢሩ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
“ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣክሱም ብገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዘኽስስ ቅትለት ንጹሃን ኣካይዱ።” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል
Source: Getty Images