Coming Up Mon 6:00 PM  AEDT
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ህወሓት ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ብዓብላሊ ድምጺ ናብ ውህደት ክኣቱ ዝወሰዶ ውሳኔ ብምሉእ ድምጺ ነጺግዎ:

ጸብጻብ ዜናታት * ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ብዓብላሊ ድምጺ ናብ ውህደት ክኣቱ ወሲኑ። ህወሓት ነቲ ውሳኔ ብምሉእ ድምጺ ነጺግዎ።* ሚንስትር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሰላም ዓለም አገዳሲ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብ ጅዳ ምስ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ዝኸፈትዎ መድረኽ ከም'ቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኩየት ዘሕለፉዎ መልእኽቲ: መንግስቲ ኤርትራ ንዝኸፈቶ ዕድል ወፍሪ ኤርትራውያን ክጥቀመሉ ፀዊዖም።* መንግስቲ ኢትዮጵያ ግርጭት ዝበዝሐን ዩኒቨርሲታት ክዓፁ'የ ክብል ኣጠንቂቑ።* ን3 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዝሽፍን ክታበት ፀረ ሕማም ኣንቅጺ ኣብ ኤርትራ ይቕጽል ኣሎ።* ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብህዝባዊ ጎስጓስ ከም ቀላሚኖ ዝበሉ 12 ፍሉያት ኣብያተ ትምህርቲ ክትሃንጽ ምስ ኮንስትራክሽን ሱር ተሰማሚዖም።

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ህወሓት ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ብዓብላሊ ድምጺ ናብ ውህደት ክኣቱ ዝወሰዶ ውሳኔ ብምሉእ ድምጺ ነጺግዎ: 18/11/2019 05:06 ...
“ኦሮሞ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመርሕ ከምዝኽእል፡ የማነ ገ/ኣብ ንዉድባት ኦሮሞ ኣብ 2004 ነጊርዎም’ዩ፡ ንሱዩ ዝፍጸም ዘሎ።” ሰናይ ገብረመድህን 05/12/2019 16:30 ...
'ኢንስቲትዩት መረብ' ኣብ ዝተሰምየ ሓዱሽ ትካል ትምህርቲ፣ 80 ተጋሩ 80 ኤርትራውያን ክመሃሩ ምሽብሻባት ይግበሩ ኣለዉ ተባሂሉ። (ጸብጻባት) 05/12/2019 11:17 ...
ብወለንታ ክትተሓጋገዝ እንከለኻ ተበርክት ጥራይ ዘይኮንካ ትኸስብ'ውን ኢኻ ዘለኻ 04/12/2019 07:50 ...
ኣብ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ምክልኻል ለማ መገርሳ ምድማርን 'ውህደትን' ኣይድግፍን'የ ድሕሪ ምባሉ መራሕቲ ሰልፊ ብልጽግና ተፈራሪሞም 02/12/2019 12:34 ...
ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ን 'ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2019' ተሓጽዮም፡ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ንኩሉ ዝተቐረበ ዓወትን ስልማትን ማራቶን ፑን፡ ህንዲ፡ ገቢቶሞ 02/12/2019 10:34 ...
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ካብ ስልጣኑ ክወርድእ ምዃኑ እንተገለጸ’ኳ ህዝቢ ተቓዉሞኡ ቀጺሉ። (ካብ ዜናታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢኡን) 02/12/2019 08:19 ...
“እቲ ምውህሃድ ኣድላዪ ከምዝኾነን ፍልስፍና “መደመር” ንኢትዮጵያን ንምብራቕ ኣፍሪቃ ጠቓሚ ምዃኑ ተሰማሚዖምሉ እዮም” መልሲ ኣቶ ታየ ደንደኣ ንኣቶ ለማ መገርሳ 02/12/2019 10:26 ...
ቐጠር ንክሲ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጋቶ። (ጸብጻብ) 02/12/2019 07:10 ...
ኢህወደግ ዝብል ስም ድሕሪ ደጊም ዝደልዮ ኣሎ ዶ? ህወሓት ከ ነቲ ስም ክገድፎ ድዩ? 28/11/2019 24:08 ...
View More