* 29 ሰባት ብኮቪድ-19 ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ከምዝሞቱ ናይ ሎሚ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።* ዝመጽእ ሰሙን ኣስተምህሮ ብኣካል ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ቪክቶርያ ብዙሓት ግዝያዊያን ክታበት ኮቪድ ዝህባ መደበራት ጥዕና ኣብ 30 መባእታ ደረጃ ቤት ትምህርታት ክትከፍት ምዃና ኣፍሊጣ።* ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኣፍጋኒስታን ክወሃብ ፈቓድ ክወሃብ ጸዊዑ።* ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ድንጋገ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክውዳእ እማመ ኣቕሪቦም ከም ዘለው ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ድንጋገ ህጹጽ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ሚኒስተራት ይጽውዑ፡ ቪክቶርያ ንኣሽቱ ክሊኒካት ክታበት ኣብ ቤት ትምህርታት ክትከፍት'ያ
Source: SBS Tigrinya