ሓጸርቲ ጸብጻባት ዜና፡ * በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ታቦታት ካብ ቤተክርስትያን ከይወጹ፡ ኣብ ኤርትራ መምርሒታት ኮቪድ-19 ብምኽባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘይብሉ ተኸቢሮም፡ * ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረሽ ዝርከብዎም ዓበይቲ መራሕቲ ኲናት ትግራይ ብሰላም ክፍታሕ ተስፋ ከምዘሎ ክገልጹ’ንከለዉ መራሕቲ ኣምሓራ ግን ዝቕጽለሉ ተርእዮ ከምዘሎ ይዛረቡ፡ * ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ልዕሊ 1 400 ህጻናት ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና’ቲ ክልል ገሊጹ
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ መምርሒታት ኮቪድ ብምኽታል ኣብ መቐለ ኸኣ ብስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ታቦት ከይወጸ ተኸቢሩ
Source: Getty