Coming Up Mon 6:00 PM  AEDT
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከም ብሓዱሽ ጅምላዊ መቕተልቲ፣ ማእሰርትን ምስጓግ ህዝብን ደጊሱ።

Source: Getty Images

ኣርእስቲ ዜና ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ኣስታት 7200 ከም ዝበጽሐ ዝሞቱ ግን 54 ሰባት ከም ዝኾኑ ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ። ክልል ኣምሓራ ኣብቲ ክልል ብዝቕጽል ዘሎ ኩናት ዝዓነወ ሃብቲ ንምትካእ ሰላሳ ዓመታት ክውደአሉ ከም ዝኽእል ገሊጹ። ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቦሮና ብዝተኸስተ ደርቂ ብልዕሊ 28 ሽሕ ስድራቤት ዝውነና ዝነበራ ልዕሊ 70 ሽሕ ከብቲ ከም ዝሞታን ልዕሊ 100 ሽሕ ካልኦት ድማ ብዘይደገፍ ሰብ ክልዓላ ከም ዘይክእላ ሰብመዚ እቲ ዞባ ሓቢሮም። ንኣልሸባብ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ዓብደልዓዚዝ መሓሙድ ካብ ኣልሸባብ ብዝተፈነወሉ ነብሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ሞቓድሾ ተቐቲሉ።።ዝብሉ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ክቐርብዩ።

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከም ብሓዱሽ ጅምላዊ መቕተልቲ፣ ማእሰርትን ምስጓግ ህዝብን ደጊሱ። 22/11/2021 06:52 ...
'ኣብ ኢትዮጵያ ጭቡጥ ዝኾነ ጻዕሪ ንምምጻእ ሰላም ምህላው' ንዋና ጸሓፊ ው. ሕ. ሃ. ኣሐጒሱ 20/01/2022 10:50 ...
በዓል ጥምቀት ኣብ ኣስመራ መምርሒታት ኮቪድ ብምኽታል ኣብ መቐለ ኸኣ ብስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ታቦት ከይወጸ ተኸቢሩ 20/01/2022 06:03 ...
'ካብ ጸገም ኮቪድ ዝወጸት ሃገር የላን፡ እተን ትሑት መጠን ክታበት ዘለወን ግን ዝያዳ የሻቕላኒ' ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም 20/01/2022 08:18 ...
ክታበት ዘይድግፍ ኖቫክ ጆኮቪች ዓዱ ብድሙቕ ትቕበሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ግን ናቱ ገዲፉስ... ተባሂሉ ይውቀስ 19/01/2022 13:10 ...
“እቲ ህዝቢ ገንዘቡ ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝወዓለ ንምፍላጥ ናይ ምሕታት ባህሊ ከማዕብል ኣለዎ።” መም ዮሴፍ ወርቀ 18/01/2022 11:34 ...
ዋጋታት መመርመሪ ኮቪድ ዝወሰኹ ክሕተቱ'ዮም፤ ጆኮቪች ኣውስትራልያ ጠሪዛቶ፤ ትግራይ ናይ ሰሙን ቀረብ መድናሂት ሕማም ሽኮር ጥራይ ተሪፉዋ 18/01/2022 11:34 ...
ትግራይ ሃገር ክትከውን ብቅሉዕ ዝጠለባ ክልተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ትግራይ ናህሪ ቃልሲ ንምቅልጣፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ሓቲተን 17/01/2022 07:43 ...
ቢንያም ግርማይ ኣንፈቱ ናብ ጂሮ ድ'ኢታልያ ኣቕኒዑ፣ ኢትዮጵያ ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣብቂዑ 17/01/2022 12:04 ...
ሰራሕተኛታት መእለዪ ኣረጋውያን ብኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፎም ናብ ስራሕ ዝምለስሉ ግዜ ስለዝሓጸረ ኣብ ድሕነት ኣረጋውያን ፍርሒ ፈጢሩ 17/01/2022 08:24 ...
View More