ኣርእስታት ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ድርቂ ተጸባዪ ረድኤት ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። በቲ ድርቂ ልዕሊ 146 ሽሕ እንስሳታት ከም ዝሞታን ውን ተገሊጹ። ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ምስ ኣሜሪካ ርክባ ዝሕርፍፍ ዘሎ ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ካብ ኣሜሪካ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ብምርካብ ካብ ቀዳሞት ኣሜሪካ ትሕግዘን ሃገራት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዘላ ተሰሚዑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰራዊቱ ካብ ገለ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰሓበሉ ምኽንያት ንዘሓሸ ምድላው፣ ንሰላም ዕድል ንምሃብን ምትእትታው ግዳማውያን ሃገራትን ዝርከቡዎም ነጥብታት ዘርዚሩ። መገዲ ኣየር ኬንያ ፤ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ደረጃ ብሉጽ መገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ተረኺቡ።ሓጸርቲ ጸብጻባት ል ኡኽና ክቐርብዩ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰራዊቱ ካብ ገለ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰሓበሉ ምኽንያታት ዘርዚሩ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
Source: Getty Images