ኣርእስታት ጸብጻብ ኤርትራን ቻይናን ንሓበራዊ ረብሓ ኣብ ክልትኣዊ፣ ዞባውን ዓለምለኻዊን ጉዳያት ብሓንሳብ ክሰርሓ ተሰማሚዐን። ካብ መዝነቶም ከም ዝወርዱ ዝንገረሎም ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ኩናት መፍትሒ ንምእላሽ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ። ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ዝጥረዙ ተጋሩ ግዳያት መጭወይትን መጥቃትን ይኾኑ ከም ዘለዉ ሂዩውማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ መድሓኒት ከይኣቱ ብምኽልካሉ ክሓውዩ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ኢዶም ይሞቱ ከም ዘለዉ ሓካይም ተዛሪቦም።
"ነዚ ኩናት እዚ ንምውዳእ ሓይሊ ዘድሊ እንተደኣ ኮይኑ ፤ ነዚ ንምግባር ዘኽእል ቁመና ኣለና።" ጀነራል ታደሰ ወረደ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ።
Source: Getty Images