ሓጸርቲ ዜናታት፥ብምክትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ውግእ ንምፍታሕ ተወሰኽቲ ሰብሞያ ከም ዘዋፍር ገሊጹ። ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኤርትራ እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፉ "20 ዓመታት ዘምጽኦ ፋይዳ የለን " ብምባል ኣብ መደረኡ ወቒሱ። ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ትግራይ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝተፈልየ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ከም ዘቖመት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ክልል ዓፋር ሰራዊት ትግራይ ምስ ጁቡቲ ዘራኽብ መስመር ኢትዮ-ጁቡቲ ንምቑራጽ ናብ ሰርዶ ይግስግስ ኣሎ ክብል ከሲሱ።። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ክቐርብዩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ውግእ ንምፍታሕ ተወሰኽቲ ሰብሞያ ከም ዘዋፍር ገሊጹ። (ካብ ሓጸርቲ ዜናታት)
Source: Getty Images