ኣርእስቲ ዜና፥ኢትዮጵያ ካብ ግድብ ህዳሴ 375 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ክትረክብ ከም ዝጀመረት ኣፍሊጣ።ግብጽን ሱዳንን ብወገነ እታ ሃገር ንስሉሳዊ ስምምዕ 2015 ጥሒሳ ብምባል ይቃወምኦ ኣለዋ።ኤርትራ: ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ጥዕና ዝያዳ ክትሰርሐሉ ከም ዝተበገሰት ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብዚ ሰላሳ ዓመት ዘይተራእየ ደርቂ ን7 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ገይሩ ኣሎ ተባሂሉ። ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኬንያን ብሽፋን ሃይማኖት ከብጽሖ ዝኽእል መጠን ስግኣት መጥቃዕቲ ናብ 17% ከም ዝበረኸ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።ኣቶ ደመቀ መኮነን ንኢትዮጵያ ዘጓነየ ዝበሉዎ ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ብምቅዋም ኢትዮጵያ ትርከበሉ ሓዱሽ ሕብረት ክቐውም ጸዊዖም። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ
ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብዚ ሰላሳ ዓመት ዘይተራእየ ደርቂ ን7 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ገይሩ ኣሎ ተባሂሉ።
Source: Getty Images