ልኡኽና ዝለኣኸልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ሒዙ ኣሎ። ኣባላት እቲ ኣብ ትግራይ ተተኺሉ ዝነበረ ጊዝያዊ ምምሕዳር ንመንግስቲ ፌደራልን ነቲ ምምሕዳርን ከሲሶም።ብካልእ ዜና መንግስቲ ፌደራል ንገለ ኣባላት እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝኣሰረ ተሓቢሩ።------------- መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ 1.7 እንስሳታት ዝቐተለን ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ንጥሜት ዘቃለዐን ደርቂ ዝምልከት መብርሂ ክህበሉ ተሓቲቱ። ----------ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ንሳልሳይ ጊዜ 275 ኩንታል ዝግመት ሓገዝ ንትግራይ ሰዲዳ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ 95 ሜ/ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ክኣቱ ፍቓድ ከም ዝሃበን ፤19 ቢልዮን ብር ንትግራይ ከም ዝሰለዐን ኣፍሊጡ። ----መንግስቲ ኤርትራ ንኣመንቲ ወንጌላውያን ከም ዝኣሰረ ተሓቢሩ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
መ/ኢትዮጵያ 95 ሜ/ቶን መድሓኒት ናብ ትግራይ ክኣቱ ፈቒዱን ፤19 ቢልዮን ብር ንትግራይ ከም ዝሰለዐን ኣፍሊጡ። (ካብ ጸብጻባት ዜና)
Source: Getty Images