ልኡኽና እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻባት። ኣቶ ቢንያም በርሀ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያ ኮይኑ። ሕጽረት ነዳዲ ዘሰከፎ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልኦት መገድታት ኣየር ነዳዲ ኣብ ካልእ ሃገር ክመልኡ ተማሕጺኑ። ኣብዚ ሰሙን ኣብ 7 ክልላት ኢትዮጵያ ዝደገሰ ዓሌታዊ ጎንጺ ህይወት ብዙሓት ሰባት ቀዚፉ። ባንኪ ዓለምን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን: ጁቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ንእትወስዶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝተስማምዑ ተገሊጹ። ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ መስርሕ ተጀሚሩ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ናብ ዶብ ትግራይ የንቀሳቕስ ኣሎ ተባሂሉ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
Source: Getty Images