ኣርእስታት ዜና ናብ ትግራይ ዝኣቱ መሰረታዊ ጠለባት ሕጂ ውን ድሩት ከም ዝኾነ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝተሃንጸ ሓዱሽ መዓስከር ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተሰሚዑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ከም ዝወስድ ኣፍሊጡ። ኲናት ትግራይ ኣብ ኣብ ቁጠባ ጁቡቲ ካብ 70 - 90 ሚልዮን ዶላር ሕጽረት በጀት ከስዕብ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ኣብ ሰሜን ጎንደር ዝተሃንጸ ሓዱሽ መዓስከር ኣብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተሰሚዑ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
Source: Getty Images