ኣርእስታት ዜና፣ ኤርትራ: ኣብ ሞንጎ ሃገራት ወሽመጥን ሱዳንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ትድልል ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 9 ወርሒ 26 ፋብሪካታት ተዓጽየን ተባሂሉ። ካብ 37 ፋብሪካታት መገጣጠሚ ሞባይል ውን 2 ጥራሕ ከም ዝተረፋ ተሓቢሩ። ሰልፊ ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ብስሩዓትን ዘይስሩዓትን ዕጡቓት ንዝፍጸም ቅትለት ተቓዊሙ።ዕጡቕ ፋኖ ጠንቂ ሰላም ክልልን ሃገርን ኮይኑ ዝበለ ኦፌኮ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ጥራሕ 280 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ጎንደር በዓል ኢድ ኣልፈጥር ኣብ ገዝኦም ከኽብሩ ተኣዚዞም።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ኤርትራ: ኣብ ሞንጎ ሃገራት ወሽመጥን ሱዳንን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ትድልል ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ። (ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ)
Source: Getty Images