ኣርእስታት ጸብጻብ ፥ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኤርትራ ካብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትውጻእ ዝብል ደብዳበ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኬንያን ሰዲዱ።ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብወገኑ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ትገብሮ ዘላ ሓንካሪ ግደ ደው ክተብል ሰራዊታ ክተውጽእ ሓቲቱ። ኣብ ትግራይ ደቆም ዘየጋደሉ ወለዲ ይእሰሩ ኣለዉ ተባሂሉ። መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ እቲ ፍጻመ ከም ዝተኣረመ ገሊጹ። ኬንያ ሰራዊታ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ኣዋፊራ። ኣብ ኢትዮጵያ 446 ፋብሪካታት ከም ዝተዓጽዋ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ: ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ትገብሮ ዘላ ሓንካሪ ግደ ደው ክተብል ሰራዊታ ክተውጽእ ሓቲቱ። (ካብ ጸብጻብ))
Source: Getty Images