ኣርእስታት ዜና፥ ** ናይ ደሴት Solomon ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣብ ኣውስትራሊያ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኣውስትራሊያን ቻይናን ዘሎ ዉጥጥ ክትቅርቀር ከምዘይትደሊ ገሊጹ።** ናይ ዲየጎ ማራዶና ዝኣረገ ማልያ ብጨረታ 12.5 ሚልዮን ዶላር [ኣውስትራልያ] ተሸይጡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝዕቡ ኣርእስታት ይርከብዎም፥ ኬንያ ሰራዊታ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ኣዋፊራ። ኣብ ኢትዮጵያ 446 ፋብሪካታት ከም ዝተዓጽዋ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “ ኣብ ጣሻ ብምዝዋር ዝርከብ ሓይሊ ተፈጥሮ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ ክኸውን። ኣብ ቃለ መሕትት መደብና ምስ ድምጻዊ ኣሕመድ ኣብደልርሒም ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (05 ግንቦት 2022)
Source: Getty Images