Coming Up Mon 6:00 PM  AEST
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ (09 ግንቦት 2022)

Source: Getty Images

ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራልያዊያን ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ ንሕሙማት መንሽሮ ደም ፡ ካብ ተጻዋርነት መድሃኒት ዝከላኸል ሓድሽ ሕክምና ብምርካቦም ፡ ንሕሙማት ካንሰር ተስፋ ዝህብ ርኽበት ተባሂሉ ።** ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰንን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንቶኒ ኣልባነስን ኣብቲ ብ 9 ኔትዎርክ እተወደበ ናይ ምርጫ ክትዕ ፡ ንኻልኣይ ግዜ ተራኺቦም ተኻቲዖም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻባት ኣርእስታቶም፥ ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምጥፋእ ዓሌት መርትዖታቱ ንምስዋር ኣስከሬናት ይቃጸሉ ኣለዉ ተባሂሉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሃይማኖታዊ ጎንጺታት ብዘይወገናዊ ኣካል ክምርመሩ ሓቲቱ። ቃለ ምሕትት፥ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን ኣብ ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዘበርከቶ ወለንታዊ ስራሕን ናይ ኮሙዩኒትይ ኣገልግሎትን ብ Afriqueensland ክሽለም በቒዑ ኣሎ። ብዛዕባቲ ዝረኸቦ ሽልማትን ዝገብሮም ንጥፈታትን ኣዕሊሉና ኣሎ።ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ’ውን ቀሪቡ ኣሎ።

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ (09 ግንቦት 2022) 09/05/2022 57:12 ...
"ወትሩ ዝሓልሞ ስለዝነበርኩን ብኻልእን ምኽንያት'የ ኣብ ቪክቶሪያ መምህር ኮይነ።" መምህር ጀማል እኩድ 26/06/2022 12:37 ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (23 ሰነ 2022) 23/06/2022 57:04 ...
"ገዝሚ ሰማእታት ትኸውን ሉኣላዊት ሃገር ትግራይ ክትፍጠር ኣለዋ።" ክልተ ሰልፍታት ፖለቲካ ትግራይ 23/06/2022 08:31 ...
ሓድሽ ግምባር ኲናት ራሻ ኣብ ሊትወይንያ፡ ዩክሬን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ትኸውን 23/06/2022 07:53 ...
መስርሕ ስርዓተ ቐብሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 22/06/2022 10:30 ...
"ስዉእ ዶ/ር ኣረጋይ ሃብተ ኣብቲ'ቶም ዝተቐሉ ወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ዝተቐብርሉ'ዩ ተቐቢሩ።" ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ተጋ/መስፍን መንግስቱ 21/06/2022 13:25 ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (20 ሰነ 2022) 20/06/2022 55:47 ...
ኣብ ኤርትራ ንሰማእታት ጸሎተ ፍትሓትን ደርስን ዱዓን ከም ዝተኻደሎም ተገሊጹ። 20/06/2022 07:26 ...
ኪልያን ምባፐ ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፎ ነቐፌታታትን ዘለፋታትን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክሰናበት ሓሲቡ፣ ሙሉ ክንፈ ዓወት ኣመዝጊቡ 20/06/2022 10:36 ...
View More