ካብ ኣርእስታት ዜና፥** ኣብ ዩክሬን ዝርከብ ሓደ ናይ ቆልዑ ሆስፒታል ብዝተፈጸመ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብዙሓት ተጎዲኦም **ምክልኻል ኣውስትራሊያ ኣብ 2040 ዓቕሚ ሰቡ ብ30 ሚኢታዊ ብምዕባይ ኣብ ዝቕጽል ዕስራ ዓመት ልዕሊ 100 000 ዝዀኑ ሰባት ናብ ክፍሊ ምክልኻል ክኣትዉ እዩም ። **ኣብ ሜሪላንድ ሆስፒታል ናይ መጀመርታ ሰብ ካብ ሓሰማ ናይ ልቢ ምስግጋር መጥባሕቲ ሕክምና ዝተገብረሉ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሞይቱ ። ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ገለ ኤርትራውያን: ደቡብ ኣፍሪካ ዝሞበቆሉ ቢልዮነር ኢላን መስክ ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት ክዝርግሐሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይዚ ወርሒ ዝቕባበ ዋጋ መግብን ኣቑሑትን ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወርሒ ብ49.9% ከም ዝወሰኸ ኤጀንሲ ስታስቲክስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ቃለ መሕትት፥** ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥** ንርእስኻ ካብ ብኦንላይን ዝመጽእ ምትላል ብኸመይ ተኸላኸል፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘዩ ክከውን። ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፥** "ምኹላል" ኣንስትዮ ተጋደልቲ ንቓልሲ፡ምትላላት ንዝተሸገሩ ተጋሩ ዝስደድ ናይ ገንዘብ ሓዋላ፡ካልእን ......... ናይዚ ሰሙን ዛዕባታት ማሕበራዊ መራኸቢታት
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ 11 መጋቢት 2022
Source: Getty Images/SBs