ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ግብጽን ፈረንሳይን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣሳሊጠን።ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈዎርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳድር ዡ ቢንግ ተዘራሪቡ።እቲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ብህይወቱ እንከሎ ብሓዊ ተጠቢሲ ዝተቐትለ ግዳይ ትግራዋይ ምዃኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣረጋጊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥** ንርእስኻ ካብ ብኦንላይን ዝመጽእ ምትላል ብኸመይ ተኸላኸል፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘዩ ክከውን። ኣብዚ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት፥** * ኢትዮጵያን ጋናን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየደኦ ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ት20 መንእሰያት ጋና ብገፊሕ 3-0 ተዓዊተን፣* ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝተሳተፈሉ መበል 80 ዓመታዊ ቅ/ብ ፓሪስ ኒስ 59 ተቐዳደምቲ ጥራይ ውራዮም ድሕሪ ምጥንቓቖም ዝወሓዱ ተቐዳደምቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ዝወድእሉ ብምዃን ተዛዚሙ፣*ቃለ መሕትት፥ ምሽራው ኤርትራ ምስ ራሻ፡ ጽልዋ ኲናት ዩክሬን ኣብ ኲናት ትግራይን ሳዕቤኑን። ዘተ ምስ ዶ/ር ኪዳነን ዶ/ር ቶማስንካልእን .........
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ 14 መጋቢት 2022
Source: Getty Images/SBs