ኣብ ሶማል ኣብ ዝተገብረ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ፡ ወዲ 66 ዓመት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ ፡ ቃለ ማሕላ እውን ፈጸሙ ። እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፎርማጆውን ስዕረቱ ተኣሚኑ፡ ህዝቢ ሶማል ነቲ ተመሪጹ ዘሎ ክድግፎ ጸዊዑ። እዚ ሓደ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜናና እዩ። ካልኦት ዜናታትን ካብ ጸብጻብ ልኡኽና ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ኲናት ከይጅመር ጻዕርታት ክግበር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ቀጻሊ ቀንዲ ቆላሕትኦም ትግራይ ዘይኮነትስ ወደብ ዓሰብ ምዃና ምዝራቦም ይግለጽ ኣሎ። ኣስመራ፡ ኣገልግሎት ረሳሕ ፈሳሲ ንምስፋሕ ኣድማዒ ዕማም ተሳልጥ ኣላ።። ቃለ ምሕትት፥ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ’ውን ቀሪቡ ኣሎ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (16 ግንቦት 2022)
Source: Getty Images