ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣውስትራሊያ ካብ ነሓሰ 1974 ጀሚሩ ዝተሓተ ሽቕለት ኣልቦነት ናብ 3.9 ሚኢታዊት ወሪዱ ኣሎ ። ** ው/ሕቡራት ሃገራት ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ፡ ዓለምለኻዊ ፊናንሲያዊ ትካላት ኢዶም እንተ ዘየእትዮም ፡ ዓለማዊ ቅልውላው ምግቢ ኸለዓዕል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ ።ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፡ ካብ ግንባራት መኸተ ዝነቐለት ሽግ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ሰፈር ልምዓት ድሙቕ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረላ ተሓቢሩ። ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ቀጻሊ ረብሓታት ንከውሕስ ትፍትሾ ከም ዘላ ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ደመቀ መኮነን ተዛሪቡ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ምምራጽ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ ክኸውን። ብዛዕባ ምርጫ ኣውስትራሊያ ዝተሓሓዝ ንሰልፊ ሓምላይ ወይ ግሪንስ ዘፋልጥ መደብ ኣለና።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ቀጥታ ፈነወ SBS ትግርኛ (19 ግንቦት 2022)
Source: Getty Images