Coming Up Mon 6:00 PM  AEST
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ መደባት SBS ትግርኛ (28 መጋቢት 2022)

Source: SBS Tigrinya

ካብ ኣርእስታት ዜና፥ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኤርትራ ምስ ጃፓን ኣብ ልምዓታዊ ንጥፈታት ክትሰርሕ ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጾም። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናብ ነባር ክብሩ ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ናይታ ሃገር ሬር ኣዲሚራል ክንዱ ገዙ ተዛሪቡ። ምቋራጽ ተኹሲ ኩናት ትግራይ ንፖለቲካዊ ሸርሕታት ከይውዕል ጥቡቕ ጥንቃቐ ከም ዝግበር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ገሊጾም። ሰበስልጣን ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ከቋርጹዎ ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ቃለ መሕትት፥ምስ ተዋስኣይ፡ ደራፊ፡ ጸሓፊን ኣላዪን ፊልም ሓጐስ ወልደገብርኤል (ሱዚኒኖ)ምስ SBS ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋሉ ሎሚ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብዩመደብ ስፖርት፥ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሰንበት ኣብ ናይ ቅድድም ህይወቱ ዝዓበየ ዓወት ብምምዝጋብ ናብ ታሪኻዊ ዓወት ኸንት-ዊቪልኸም ፈንጢሱ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ፣*

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ቀጥታ ምሉእ መደባት SBS ትግርኛ (28 መጋቢት 2022) 29/03/2022 56:51 ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (23 ሰነ 2022) 23/06/2022 57:04 ...
"ገዝሚ ሰማእታት ትኸውን ሉኣላዊት ሃገር ትግራይ ክትፍጠር ኣለዋ።" ክልተ ሰልፍታት ፖለቲካ ትግራይ 23/06/2022 08:31 ...
ሓድሽ ግምባር ኲናት ራሻ ኣብ ሊትወይንያ፡ ዩክሬን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ትኸውን 23/06/2022 07:53 ...
መስርሕ ስርዓተ ቐብሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 22/06/2022 10:30 ...
"ስዉእ ዶ/ር ኣረጋይ ሃብተ ኣብቲ'ቶም ዝተቐሉ ወልዳይ ግደይን ኪዳነ ክፍሉን ዝተቐብርሉ'ዩ ተቐቢሩ።" ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ተጋ/መስፍን መንግስቱ 21/06/2022 13:25 ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት SBS ትግርኛ (20 ሰነ 2022) 20/06/2022 55:47 ...
ኣብ ኤርትራ ንሰማእታት ጸሎተ ፍትሓትን ደርስን ዱዓን ከም ዝተኻደሎም ተገሊጹ። 20/06/2022 07:26 ...
ኪልያን ምባፐ ብሰንኪ መጠኑ ዝሓለፎ ነቐፌታታትን ዘለፋታትን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ክሰናበት ሓሲቡ፣ ሙሉ ክንፈ ዓወት ኣመዝጊቡ 20/06/2022 10:36 ...
ናይ ነዊሕ እዋን ሳዕቤን ሕማም ኮቪድ ኣብ ኣእምሮ ይኽሰት ኣሎ። 19/06/2022 04:42 ...
View More