ኣብዚ ቕነ ተበዲልና ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ በደልን ከስምዓን ንዕ ኡ ስዒቡ ብዙሕ ዘረባታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክቃላሕ ቀንዩ። ጉዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምብጻሖም ብሚዲያ ምቕራቦም ዘለዎ ረብሓን ጉድ ኣትን እንታይ እዩ? ሚድያታት ነዚ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት በየናይ ሕጊ እዮም ከቕርብዎም ዘለዎም፧ እቲ ክሕለፍ ዘይግብኦ መስመር ጋዜጠኝነት ኣየና እዩ፧ እዚ መስመር ምስዝሕለፍ እንታይ ሳዕቤን እዩ ዘምጽእ፧ ነዚን ከምዚን ሕቶታት ዝምልከት ምሁር ጋዜጠኝነትን ናይ BBC Newshour ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ መሊሱልና ኣሎ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
“ሽም ናይ ሰብ ጸዊዕካ ኣብ ቃልዕ (ሚድያ) እንተኣውጺእካዮ ድሮ ገበን ተፈጺሙ ኣሎ ማለት’ዩ።” ግዜጠኛ ተመስገን ደበሳይ
Temesghen Debessai Source: Supplied