Coming Up Mon 6:00 PM  AEST
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር አልበሽር ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። (ካብ ዜናታት ቀርኒ አፍሪቃ)

ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር አልበሽር ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።ልፍንቲ ሱዕዲ ኣብ ዋና ከተማ የመን ዝርከብ ናይ ሖቲ ሰፈር ኣጥቂዖም።ኣልሸባብ ኣብ መቓዲሾ ኣጥቂዑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም።

ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምዕላዉ ንፈለማ እዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተራእዩ።

አልጀዚራ ከምዝጸብጸቦ ጻዕዳ ጀለቢያን ዕማመትን ወድዩ ብከቢድ ሓለዋ ተዓጂቡ እዩ ብሰንበት ኣብ ቅድሚ አኽበርቲ ሕጊ ኣብ ካርቱም ተራእዩ። ኣብቲ እዋን ክሲ ብዙሕ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ምርካቡን ዘይተአደነ ናይ ውልቂ ሃብቲ ኣኻዕቢቱ ምጽንሑን ክሲ ከምዝቐረበሉን እቶም አኽበርቲ ሕጊ ገሊጾሙሉ።

ነዚ ዝቐረበሉን ካልእ ኣብቲ እዋን ዘይተገልጸ ብልሽዉናን ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ መልሲ ክህበሉ ናይ ሓደ ሰሙን ግዜ ተዋሂብዎ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኮባር ተመሊሱ ይርከብ።

አልበሺር ይግባይ እንተዘይሓቲቱ አብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከምዝፍረድ ናይ ሱዳን ተጠባባቒ ሓላፊ ኣኽባሪ ሕጊ አልዋሊድ ስዒድ ብቐዳም ገሊጹ አሎ።

ኣብቲ እዋን ህዝቢ ካርቱም  ኣንጻር እቲ ወዲ 75 ዓመት መራሒ ዝንበረ ብጸርፊን ምንሻዉን ከምዝሰዓቦ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ተቓዉሞ ዝወረሐ  ጠለቡ ብወተሃደራት ምጭዋዩ ኣብ ጓሂ ዝርከብ ህዝቢ፤ ኣብ ልዕሊ ኣል በሺር ተመስሪቱ ዘሎ ክሲታት ግቡእ ፍርዲ ክረክብ ይኽእልን ኣይክእልን ኣብ ሕቶ ኣውዲቕዎ ይርከብ። እቲ ናይ ቀደም መራሒ ናብ ስልጣን ዝሓኾረ ብዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ  1989 ኮይኑ,  ኣብ 2003 ክሳብ 2008 ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ምጽናት ዓሌት ዳርፉር ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝድለ ሰብ እዩ።

ብቐዳምነት ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ንምጭፍላቕ ዝወሰዶ ስጉምቲታን ዜጋታት ሱዳን ካብ$3000 ንላዕሊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ምሓዝ ዘይሕጋዊ ምግባሩን እዩ። ኣብ 11 ሚያዚያ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣኑ ምስተሓድገ ግና ኣብ መንበሪ ገዛ ኣልበሺር፤ ሓይልታት ጸጥታ ልዕሊ $113 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ናይ ሰለስተ ዝተፈላለየ ባጤራታት ኣብ ገዝኡ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም።

ኣልበሺር በቲ ተመስሪትዎ ዘሎ ክሲ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኪቡ ብውሕዱ ን 10 ዓመታት ዘእስር ፍርዲ ክቕበል እዩ፡፤

ብዘይካ’ዚ አኽበርቲ ሕጊ ንኣልበሺር ክሲ ምዝውዋር ገንዘብ ንኣሸበርቲን ከምኡውን ሰላማዊ ሰልፈኛታት ክቕተሉ ትእዛዝ ሂቡ ዝብሉ ክሲታት ከቕርብሉ እዮም። ብፍላይ ንሰልፈኛታት ክቕተሉ ትእዛዝ ከምዝሃበ እንተተረጋጊጹ ብመሰረት ሕጊ ሱዳን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዘቕጽዖ ክኸውን እዩ ።

ኣብ ሱዳን እቲ ብ 6 ሚያዚያ ዝጀመረ ቅድምን ድሕሪን ምዕላው ኣልበሺር ናይ ኮፍ ኢልካ ተቓዉሞ፤ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምስረት ኣብ ጽዑቕ ዝርርብ ከሎ ብ 3 ሰነ ወተሃደራት ሱዳን ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ልዕሊ 100 ሰላማዊያን ተቐቲሎም ኣማኢት ቆሲሎም፤ ገለ ሬሳታት ኣብ ኒል ተጓሒፎም።  ብዙሓት ተጣበቕቲ ከምዝገልጽዎ ዘለዉ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ነቶም ነዚ ዝፈጸሙ ኣካላት ሒዝካ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ እዩ።

 

ልፍንቲ ሱዕዲ ኣብ ዋና ከተማ የመን ዝርከብ ናይ ሖቲ ሰፈር ኣጥቂዖም

እቲ ኣብ የመን ዘሎ ኩናት እናበርተዐ ዝኸደሉ ኣብዘሎ እዋን ብሱዕዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ሰፈር ሖቲ ኣጥቂዖም።

እቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሖቲ ዝተገብረ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዝከውን ዘሎ ግበር ክገብር እየ ዝብል ህልኽ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ናይ ሱዕዲ ዓረብ ተለቪዥን ብቐዳም ከምዘቃለሐ አልጀዚራ ጸብጺቡ።

ብመሰረት እቲ ናይ ተለቪዥን ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ኣብ ትሕቲ ሖቲ ትርከብ ከተማ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣየር ወተሃደራዊ  መከላኸሊ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ድሕሪ ወተሃደራት ሖቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሱዕዲ ዓረብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተገብረ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ እዩ።

በቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ቁጽሪ ምዉታትን ቁሱላትን ዛጊት ኣይተገልጸን ዘሎ።

እቲ ምዕራባዊያን ሃገራት ዝድግፋኦ ብሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ንሖቲ ኣብ የመን ካብ 2015 ኣትሒዙ እዩ ነቲ ወግዓዊ አፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ዝቃለሱ ዘለዉ።

ኣብዝቕሩብ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ተፈጢሩ ብዘሎ ወጥሪ ተበጊሱ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ቅልውላው፡ ዕጡቓት ሖቲ ናይ ሚሳይልን ድሮንን ኣብ ልዕሊ ሱዕዲ ዓረብ መጥቃዕቶም ኣጎሃሂሮም ይርከቡ። 

እቲ ኣብ የመን ዝግበር ዘሎ ኲናት መከራፈሲ ናይ ሱዕዲ ዓረብን ኢራንን ከምዝኾነ እዩ በቲ ናይቲ ዞባ ፖለቲካ ዝሕሰብ። እንተኾነ ጉጅለ ሖቲ ካብ ኢራን ዝኾነ ይኹን መምርሒ ከምዘይቅበሉ እዮም ዝገልጹ። ዕጥቂ ዘልዓሉ ብልሽውናን ምግላልን ንምቅላስ ምዃኑ ድማ የስምርሉ።

ብረቡዕ ኣብ ናይ ሱዕዲ ዓረብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተፈጸመ ናይ ሖቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል 26 ሰባት ከምዘቑሰለን ብ ዓርቢ ድማ ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣብሃ ንምጥቃዕ ብሖቲ ዝተላእከ ድሮናት ብሓይልቲታታ ከምዝፈሸለ ሱዕዲ ገሊጻ ኔራ።

እዚ እናበረኸ ዝከይድ ዘሎ ወጥሪ ኣብ የመን ነቲ ብዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ነታ ንሚሊዮናት የመናዊያን ካብ ዓጸቦ ንምድሓን ተረኪባ ዘላ መትኒ ህይወት ዝኾነ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳውን ከይትሰኣን ተሰጊኡ ኣሎ።

 

ኣልሸባብ ኣብ መቓዲሾ ኣጥቂዑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተቐቲሎም

ኣብ መቓዲሾ ቦምባታት ዝጸዓና ማንታ መኻይን ተፈንጂረን ብዉሑዱ ሸሞንተ ሰባት ተቐቲሎም ዓሰርተታት ሰባት ከምዝቖሰሉን ነቲ መጥቃዕቲ ኣል ሸባብ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉን ተፈሊጡ።

እታ ቀዳመይቲ ናይ ቦምባ መኪና ኣብ ጥቓ መፈተሺ ፕረሲደንታዊ ፓላስ ዝተፈንጀረት ኮይና እቶም ዝሞቱ 8 ሰባት በዚ መጥቃዕቲ ምዃኑ እዩ እቲ ጸብጻብ ዝሕብር። እታ ካልኣይቲ መኪና ኣብ መገዲ መዓርፎ ነፈርቲ እያ ተፈንጂራ።

በቲ መጥቃዕቲ 25 ሰባት ቆሲሎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፤

አልሸባብ ንዋና ከተማ ሞቓዲሾ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ኮይኑ እቲ ብቐዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንቀዳማይ መስመር መዓርፎ ነፈርቲን ቤተ መንግስቲን ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ብዙሓት ቤት ጽሕፈታት ዲፕሎማሰኛታት ኮይኑ ኣል ሸባብ ወትሩ ዘጥቅዖ ቦታ እዩ።

 

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሱዳን ዑመር አልበሽር ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ። (ካብ ዜናታት ቀርኒ አፍሪቃ) 17/06/2019 07:17 ...
ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ጸዊዒት ቀሪቡ። 19/09/2019 08:06 ...
ግብጺ፡ ዓቢ ሓጽቢ ህዳሰ ኣብ 7 ዓመታት ማይ ንክመልእ ዘቕረበቶ እማመ ኢትዮጵያ ኣይተቐበለቶን::( Tigrinya news) 19/09/2019 11:28 ...
“እቲ ንሕና ንፈልጦ፡ ህዝቢ እንተዝፈልጦ፡ ኩሉ ኣብ ጎንና ኮይኑ ምደገፈና” ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) 19/09/2019 32:57 ...
መስርሕ ፍትሕ ኣብ ኣውስትራሊያ ከመይ'ዩ? 18/09/2019 08:05 ...
“ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከምንመውት፡ 90 ዓመታት ድማ ከምንጸንሕ ሓሲብና ንንበር።” መሓረና ይከኣሎ 18/09/2019 54:20 ...
ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ቩወልታ ኢስጳኛ ወዲቑ ውድድሩ ኣቋሪጹ፡ ከቢድ ሓደጋ ግን ኣይወረዶን 16/09/2019 14:02 ...
ግብጺ ብዛዕባ ሓጽቢ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርርብ ጀሚራ (Tigrinya News) 16/09/2019 09:46 ...
SBS Tigrinya News 16/09/2019 09:46 ...
ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሲዒቡ ዋጋ ነዳዲ ክንህር እዩ ተባሂሉ: ኣመሪካን ኢራንን ንውግእ ይሸባሸባ:: 16/09/2019 07:22 ...
View More