ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ* ሓላፈ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዘለዉ ቅልውላዋት ተመሳሳሊ ቆላሕታ ኣይረኽቡን ኣለዉ ብምባል፣ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣትኩርኦም ኣብ ዩክረይን ጥራይ ብምግባሮም ኮኒንዎም።* ንኣውስትራልያውያን ዪክረይናውያን ዝውክል ሃገራዊ ኣካል ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታት ክስጎጉ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።* ቀዳማይ ሚኒስተር ስኮት ሞሪሰን ኣብ’ዚ ግዜ ስልጣኑ ብልሽውናን ካልኦት ዘየድልዩ ተግባራት ኣባላት ባይቶን ዝምርምር ሓደ ፈደራል ኮሚሽን ብዘይምቛሙ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምርጫ ዝኣተዎ መብጽዓ ጠሊሙ ንዝተባህሎ ነጺግዎ።* ሚስተር ኣልባነሲ ሰልፉ እንተተዓዊቱ እቲ ጀላቡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ምምላስ ዝብል ፖሊሲ ከምዘለዎ ክዕቅቦ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (14/04/2022)
Source: Getty