ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ *** ናይ ኣውስትራሊያ መስርሕ ክታበት ገለ ምድንጓያት የጋጥሞ ኣሎ ። *** መራሕቲ ኤውሮጳዊ ኅብረት ፡ ንዜጋታት ኤውሮፓዊ ሕብረት ናይ ክታበት ወረቐት ምስክር ዝምልከት ስምምዕ ኣብ መወዳእታ መድረኹ የብጽሕዎ ኣለዉ ። *** ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም ። *** ኲንስላንድ ን2032 ክረምታዊ ውድድር ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክን ከተአንግድ ምስያማ ብወግዒ ተፈሊጡ ።*** 15 ተጋሩ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዉሕሃ ኣብ ጁባ ኢዶም ሂቦም*** መንግስቲ ሶማሊያን ተቓወምቱን ምርጫ ዝገብርሉ ዕለት ቀልጢፎም እንተዘይ ኣፍሊጦም ኣብቲ ዞባ ከቢድ ቅልውላው ክፍጠር ምዃኑ መጠንቀቕታ ቀሪቡ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም ። (ካብ ኣርእስታት ዜና)
Source: Getty Images