ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/04/2022)* ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ድሕሪ ምዕዋቱ መብጽዓ ዝተኣትወትትሉ መኪና ክሳብ ሕጂ ኣይተቐበልኩዋን ኢሉ፣* ኣብ ቅ/ብ ዙር ኣልፕስ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቅልስ ዝበለጸ ተባሂሉ ፍልይቲ ተዘክሮ ዘለዋ ማልያ ተሰሊሙ፣* ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ፕሮፌሽናል ተቐዳማማይ ኮይኑ፣ ጋንታ ባርዲያኒ ሲኤስኤፍ ፋይዛን ምስኣ ክጽንበር ውዕል ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ፣* መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ምድልዳል ዕጫ ተኻይድሎም፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ሓደ ምድብ በጺሕወን፣* ኣዳለውቲ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ዊምብልደን ሩስያውያንን ቤላሩስያውያንን ተጻወቲ ከይሳተፉ ዝኽልክል ዝወሰዶ ውሳነ ተቓውሞታት ገጢምዎ
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
'ቃል ዝተኣትወትለይ መኪና ገና ኣይተረከብኩዋን' ሰሎሞን ባሬጋ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ብምጽንባር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ
Source: Getty