Coming Up Thu 6:00 PM  AEST
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

'ገለ መቀዳደምቲ ብሽግለታት ክሳብ ንመጥሓን ክትወስደን ዘይትመርጸን ክንሰን ተወዳዲሮምለን ተዓዊቶም'ዮም' መዋእል

Source: Supplied/SBS Tigrinya

ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ብኸመይ ተበጊሱ’ዩ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሑ፧ እቶም ሰረት ዘንጸፉ በዓል መን’ዮም፧ እንታይ ዓይነት መሰናኽላት ተሓሊፎምን ወርቃውያን እዋናት ከ ኣየኖት’ዮምን ወዘተ ዝብሉ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተጻሒፎምን ተዓሊልሎምን እንተኾኑ’ኳ ንሎሚ ባዕሉ ተቐዳዳማይን ኣሰልጣንን ዝነበረ ብቐረባ ነቲ ጉዕዞ ዝፈልጦን ዝነበሮን ኣብ ገሊኡ እውን ኣብ ገለ እዋን ንጡፍ እጃም ዝነበሮን፥ ከምኡ’ውን ‘ቅድድም ብሽግለታ ኣብ ኤርትራ 1936-2012’ ትብል መጽሓፍ ምስ ዝጸሓፈ ኣቶ መዋእል መሃንሾ ኣብ’ዚ ከዕልለና ዓዲምናዮ ኣለና። መዋእል ኣብ 2013 ሓላፊ ቴክኒክ ሃገራዊ ፌደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ከምኡ’ውን ካብ 2004 - 2014 ኣካያዲ ቅድድም ብሽክለታ 'ማውንቴይን ባይክ' ዝነበረ’ዩ፣ ድሕሪ ስደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሓንቲ ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሰልጢኑ ኔሩ።ቀዳማይ ክፋል ዕላል ኣብ'ዚ ኣለኩም።

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
'ገለ መቀዳደምቲ ብሽግለታት ክሳብ ንመጥሓን ክትወስደን ዘይትመርጸን ክንሰን ተወዳዲሮምለን ተዓዊቶም'ዮም' መዋእል 01/04/2022 20:05 ...
ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (27 ሰነ 2022) 27/06/2022 55:01 ...
መርሃዊ ቅዱስ ሻምፒዮን ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኮይኑ፣ ደቀንስትዮ መንእሰያት ሕርይቲ ጋንታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኡጋንዳ ይሕብኣ 27/06/2022 10:29 ...
ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ 170 ኪ.ሜ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም መደበር ዕደና ወርቂ ከምዝተቘጻጸሩ ተገሊጹ። (ጸብጻብ) 27/06/2022 09:38 ...
ኣብ ድሮ ዋዕላ G7; ዋና ከተማ ዩክሬን ኬቭ ብሚሳይላት ትድብደብ.... 27/06/2022 04:43 ...
"ወትሩ ዝሓልሞ ስለዝነበርኩን ብኻልእን ምኽንያት'የ ኣብ ቪክቶሪያ መምህር ኮይነ።" መምህር ጀማል እኩድ 26/06/2022 12:37 ...
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (23 ሰነ 2022) 23/06/2022 57:04 ...
"ገዝሚ ሰማእታት ትኸውን ሉኣላዊት ሃገር ትግራይ ክትፍጠር ኣለዋ።" ክልተ ሰልፍታት ፖለቲካ ትግራይ 23/06/2022 08:31 ...
ሓድሽ ግምባር ኲናት ራሻ ኣብ ሊትወይንያ፡ ዩክሬን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ትኸውን 23/06/2022 07:53 ...
መስርሕ ስርዓተ ቐብሪ ኣብ ኣውስትራሊያ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ) 22/06/2022 10:30 ...
View More