ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/11/2015)* ኣብ ዓመተ 2020 ሓድሽ መዋሊ ዝረኸበት ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ ስማ ከምዝቐየረት ተፈሊጡ፡* መወዳደሪ መንገድታት እቲ ካብ ዝመጽእ ዓመት ለካቲት 23 ሰንበት መዓልቲ ጀሚሩ ዝካየድ ዙር ሩዋንዳ 2020 ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኪጋሊ ተገሊጾም፡* ኣብ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2021 ኢትዮጵያ ንኣይቮሪ ኮስት ኣብ ደብረዘይት 2-1 ስዒራታ፡* ዕድል ናይ’ቶም ኣብ ኡጋንዳ ደሃዮም ዝጠፍአ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነበር ውሑስ ከምዘይኮነ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ መርበቡ ኣስፊሩ፡* ስልማታት ኣትለቲክስ ዓለም ንገዲም ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን መንእሰይ ኣትሌት ሰሎሞን ባሬጋን ተዋሂቡ፡
መጻኢ ዕድል ናይ’ቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝጠፍኡ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝነበሩ ተጻወቲ ገና ውሑስ ኣይኮነን (ጠበቓኦም)
Source: World Athletics