Coming Up Thu 6:00 PM  AEDT
Coming Up Live in 
Live
Tigrinya radio
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ኢህወደግ ዝብል ስም ድሕሪ ደጊም ዝደልዮ ኣሎ ዶ? ህወሓት ከ ነቲ ስም ክገድፎ ድዩ?

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ወልደኣብርሃ ንጉሰ ምሁር ስነዜጋን ስነምግባርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ'ዩ። ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ንኣካታዒን ኣሰሓሓብን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ ውህደት ኢህወደግ፡ ነዚ ዝቃወም ዘሎ ህወሓትን ጸዊዕዎ ዘሎ ህጹጽ ጉባኤን፡ ብሓፈሽኡ መጻኢ ዕድል ኢህወደግን ክንምልከት ኢና። ኣብ'ዚ ዕላል ዝተኻተቱ፡* ኢህወደግ ዝብል ስም ድሕሪ ደጊም ዝደልዮ ኣሎ ዶ? ህወሓት ከ ነቲ ስም ክገድፎ ድዩ?* እቶም ናይ ኢህወደግ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ወዘተ ዝነበሩ ዓርሞሸሽ መሓውራትን ሃብትታትን መን ክወስዶም’ዩ?* ህወሓት ብደገፍ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ ብኣጽዋርን ንብረትን ሓይሉ ክጸንሕ ኢሉ ሰሪሕሉ ድዩ?* "ብልዝብ ሓደ መዕለቢ እንተዘይረኺቡ ናብ ሓደገኛ ኩነታት ክኸይድ ይኽእል’ዩ፡ ማእከላይ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ናይ ምጉባጥ ስጉመቲ ኣብ ትግራይ ዘይወሰደ ናይ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ግብረመልሲ ስግኣት ስለዘለዎ’ዩ፡"* ናይ ህላወ ሕቶ ኣብ ዝዕብልለሉ እዋን ነቲ ፖለቲካዊ ባይታ ኣየጽብቦን ዶ? እቶም ፍሉይ ሓሳብ ዘለዎም ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ክስምዑ ይኽእሉ ዶ?“ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ራዲካላዊ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣሰላልፋ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተቐባልነት የብሉን። ምናልባት ብውልቆም ደረጃ’ዮም እምበር ዘንጸባርቕዎ ዘለው እቲ ድሌት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንዕኡ ደጊፉ ጠጠው ዝብል ማሕበራዊ መሰረት የለን።”

Coming up next

# TITLE RELEASED TIME MORE
ኢህወደግ ዝብል ስም ድሕሪ ደጊም ዝደልዮ ኣሎ ዶ? ህወሓት ከ ነቲ ስም ክገድፎ ድዩ? 28/11/2019 24:08 ...
ኣብ ሊብያ ዝግበር ናይ ወጻኢ ምትእትታው ከብቅዕን ማዕቀብ ኣጽዋር ክጸንዕን መራሕቲ ዓለም ተሰማሚዖም።(ካብ ኣር እስታት ዕለታዊ ዜና) 20/01/2020 11:04 ...
ቆማታት ደቡብ ሱዳናውያንን ኬንያውያንን ኣብ ዝዓብለልሉ ግጥማት ኩዕሶ ሰኪዐት፡ ኤርትራ ብዘይውጽኢት ተመሊሳ 20/01/2020 12:56 ...
ናይዚ ቕነ ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ምስ መርሃዊ ወ/ሚካኤል 20/01/2020 12:46 ...
26 ጥሪ መዓልቲ ኣውስትራሊያ፡ ንገለ ሓጎስ ንገሊኡ ሓዘን 20/01/2020 08:16 ...
በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተጸንቢሉ። (ካብ ጸብጻብ) 20/01/2020 05:49 ...
“ካብ ኤርትራ ብዝተላእከ መምርሒ ናይ ርያድ ምርኢተይ ተሰሪዙ።” ኣብራር ዑስማን 19/01/2020 27:13 ...
ኣዛዚ ሓይልታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (OLA) ጃል ማሮ ህወሓት ኣይሓገዘንን ኢሉ 16/01/2020 09:23 ...
"ባህላዊ ጸወታታት ብሌን ስለዝዓበናሉ ንፈትዎ ኢና፡ ናይ ሓባር ምሸት ክንስዕስዕ ግን ብዘመናዊ ኣገባብ ነቀናብሮ።" 16/01/2020 22:04 ...
ኣውስትራልያዊ ዜግነት ክትወስዱ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበርኩምሉ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ክህልወኩምን ፈተና ብዛዕባ ኣውስትራልያ ክትሓልፉን ኣለኩም፡ 16/01/2020 09:05 ...
View More