ብዙሓት ንቖልዑ ዝኾኑ መጻሕፍቲ፡ ጽውጽዋያት መቦቆላዊያንን ትርጉምን ከም ኡውን ልብወለዳት ዝጸሓፈት እያ። ኣብ ሱሳታት ናይ ኲዕሶ ዳኛ፡ ብመኮንን ጥዕና ካበተን ንፈለማ ኣብ ጎንደር ከይዳ ዝተማህረት፡ ኣብዚ ቅሩብ እዋን መበል ሓምሳ ዓመት ናይ ሓዳራ ምስ በዓል ቤታ ዝጸምበለት ነባሪት ሽወደን እያ። ብምኽንያት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንወ/ሮ ምንያ ጸጋይ ተመኩሮ ህይወታን ስርሓን ኣካፊላትና ኣላ።
ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
"እቶም ዝበለጹ ሃየስቲ ንኣሽቱ ቆሎኡ እዮም።" ዝርርብ ምስ ናይ ብዙሓት መጻሕፍቲ ጸሓፊት ወ/ሮ ምንያ ጸጋይ (ወዲ ጸጋይ)
Minya Tsegay Source: Supplied