ብዛዕባ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ሓዲሽ ናይ ፋይናንስ ኣሰራርሓ ተክኖሎጂ ብፍላይ ድማ ምስ ቢትኮይን፡ ክሪፕቶካረንሲን ካልእን ዝምልከት ኣምርን ኣሰራርሓን ዝምልከት ምስ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተገብረ ዕላል እዩ። ሜሮን ኣብዚ ቕንያት ነዚ ዝገልጽ "ንእሽቶ ናይ ቢትኮይን መጽሓፍ" ትብል ተርጒማ ኣላ። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል እቲ ዕላል ቀሪቡ ኣሎ።
“ሎሚ ግድን ኣይኮነን 8 ሰዓት ሰሪሕካ ብዙሕ ገንዘብ ክትገብር፡ ኣብ ገዛኻ ሞባይል ሒዝካ ዉሑድ ገንዘብ ብምውፋር ሃብቲ ክገብር ዝከኣለሉ ግዜ’ዩ።” ሜሮን እስቲፋኖስ
Meron Estifanos Source: Supplied