እዚ ናይ 19 ነሓሰ 2021 እዋናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኣውስትራሊያ እዩ።
ናይ ዞባዊ ከባቢታት NSW ዕጽዋ ክሳብ 28 ነሓሰ ተናዊሑ
ቪክቶርያ ሎሚ ንመበል 200 መዓልታት ኣብ ዕጽዋ
ኣብ ካንቤራ ትሽዓተ ምስጢራዊ መልከፍቲ
ኲንስላንድን ኖርዝ ተሪቶሪን ዜሮ ሓድሽ ናይ ከባቢ መልከፍቲ
ኒው ሳውዝ ወልስ
ኒው ሳውዝ ዌልስ: ሎሚ 681 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፉ ብምርካቦም ቅድሚ ሕጂ ካብእተጸብጸበ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ተረኺቡ። እዚ ብዝሒ ካብ 119,000 ናይ ኮቪድ-19 መርመራታት እተፈልጠዩ ።
እንተ ወሓደ 59 ሰባት ኣብቲ ማሕበረሰብ ንእተወሰነ ግዜ ተለኺፎምከለዉ ዝጸንሑዮም ።
ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሴንት ጆርጅ ፡ ሓደ ሰብኣይ 80 ታት ዕድሚኡ ብቫይረስ ኮሮና ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ኣፍሊጦም ኣለዉ ።
ንሱ ሓንሳብ እተኸትበን ሕዱር ሕማም ዝነበሮን እዩ ኔሩ።
እዚ ኣብዚ ሕጂ ካብ እተራእየ ለበዳ ፡ ቍጽሪ ምዉታት ናብ 61 ደዪቡ ኣሎ ።
ካብቶም 82 ዝተለኽፉ ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝርከቡ እቶም 71 ኣይተኸትቡን፡ ንኽትከተቡ ኣብዚ ተመዝገቡ
ቪክቶሪያ
ቪክቶርያ ፡ ድሕርቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ካል ኣይ ለበዳ ፡ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮና ኣመዝጊባ።
ናይ ቪክቶሪያ ክፍሊ ጥዕና 57 ሓደሽቲ ናይ ኮቪድ-19 መልከፍቲ ካብ 49,000 ዝተገብሩ መርመራታት ተረኺቡ ኣሎ ።
ካብዚ እቲ ሓምሳን ኣርባዕተን ምስ ፍሉጥ ተላበድቲ ዝተሓሓዝ እዩ ፣ እቶም 13 ድማ እንተ ወሓደ ንገለ ክፋል ናይ መልከፍቲ እዋን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝጸንሑዮም ።
እቲ ኣርብዓን ሓደን ብምኽንያት እቲ ንመበል -13 መዓልታት ዝግበር ናይ ውሸባ መርመራ ፡ እተረኽቡዮም።
ኣብ ዋና ከተማ ካምቤራ
ኣብ ኤ.ሲ.ቲ. 16 ሓደስቲ ብኮቪድ እተለኽፉ ከም እተረኽቡ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣሎ ፣ ካብዚኣቶም እቶም ሓሙሽተ ምስቲ ህሉው ለብዒ እተተሓሓዘ ኣይኰኑን ። ድምር ናይቶም ኣብ ካንበራ ዝርከቡ ንጡፋት ሰባት 83 እዩ ።
መንገዲ ባቡር ካንቤራ ፡ መስመራት ኣውቶቡስ ፡ ኣብ ተርነር ዝርከብ ናይ ቀደም ትምህርቲ ማእከል ከምኡ 'ውን ኣብ ቤልኮነን ሓፈሻዊ ልምምዳት ገለ ካብቶም ብቐረባ ዝራኸቡ ሓደስቲ እዮም ።
Cክትክተቡ ዝግባኣኮም እንተኾይኑ ኣብዚ ክጸንሓኩምዩ
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኣውስትራሊያ
ኣብ ከተማ ዳርዊን ዝጸንሐ ዕጽዋ ክለዓል ከሎ ፡ ገሊኡ ሕግታት ግን ኣብ ቦታኡ ኣሎ ።
ካትሪን ክሳዕ ዓርቢ 20 ነሓሰ ፡ እቲ ዕጽዋ ክቕጽል እዩ ።
ፕሪመር ኣንስታቺያ ፓላስዚኩክ ኣብ ዶብ ኲንስላንድ ምስ NSW ሰራዊ ክዋፈር ሓቲታ።
ውሸባ፡ መገሻ፡ መርመራ ክሊኒካት ከምኡ'ውን ክፍሊታት ሓገዝ ብምኽንያት ለበዳን
ናይ ውሸባን መመርመሪን ብቕዓታት ብናይ መምሕድዳር ግዝኣትን ተሪቶርይ መንግስታት ይመሓደርን ይትግበርን:
VIC Travel permit, Overseas travellers and Quarantine
ACT Transport and Quarantine
NT Travel and Quarantine
QLD Travel and Quarantine
SA Travel and Quarantine
TAS Travel and Quarantine
WA Travel and Quarantine
ናብ ወፃእ ሃገር ክትጉዓዝ እንተደሊኻ ፤ ካብ መስመር ወፃእ ንዝኾነ ክፍሊት ኣብ መስመር መመልከቲ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ናይ ኣህጉራዊ በረራታት ግዝያዊ ስጉምትታት ኣሎ እዚ ድማ እቲ መንግስቲ በብእዋኑ ዝግምግሞን ዘመሓይሾን እዩ። ካብ ኣውስትራሊያ ንኽትወጽእ ብዛዕባ ዘሎ ቅድመ ኵነታት ዝበለጸ መረዳእታ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ Smart Traveller .
- ዜናን ሓበሬታ ብልዕሊ 60 ቋንቋታት sbs.com.au/coronavirus
- ኣብ ግዝ ኣትኩም ብዛዕባ ዘሎ ኣድለይቲ ሓበሬታ : NSW, Victoria, Queensland, Western Australia, South Australia, Northern Territory, ACT, Tasmania.
- Cብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ብቛንቋኹም ኣብዚ ብምጥዋቕ ሓበሬታ ርኸቡ።
ብ ናይ NSW ሕብረ ብዙህ ባህሊታት ኣገልግሎት ሓበሬታ ጥዕና ዝተቶርጎመ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ርኸቡ:
COVID-19 Vaccination Glossary
Appointment Reminder Tool.
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣታት ዘለዉ መመርመሪ ከባቢታት:
NSW
Victoria
Queensland
South Australia
ACT
Western Australia
Tasmania
Northern Territory
ኣብ ነፍሲወከፍ ግዝኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ደገፍ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ መላግቦ ርኸቡ:
NSW
Victoria
Queensland
South Australia
ACT
Western Australia
Tasmania
Northern Territory