እዚ ሎሚ ዝሞተ ዝነኣሰ ብኮቪድ-19 ዝሞተን ኣብ ማሕበረሰብ ማእከላይ ኲንስላንድ ዝሞተ ናይ ፈለማ ሰብ ኮይኑ።
ኣብ ኲንስላንድ ሓደ ወዲ 30 ዓመት ብኮሮና ቫይረስ ድሕሪ ምማቱ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኮይኑ ኣሎ።
ናይቲ ወዲ መጻምዱ ኣብ ሆስፒታል ሮክሃምፕተን ተገሊላ ዘላ ኮይና ናይ ኮቪድ-19 ምልክታት ተራእይዋ ኣሎ።
ናይ ኲንስላንድ ፕሪሜር ኣናስተሺያ ፓላሼ ከምዝገለጸቶ እቲ ወዲ ካብ ብላክዋተር ኣብ ማእከላይ ኲንስላንድ ብምማቱ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህዝቢ ከም ናይ ሰዓል ምልክት እንተተራእይዎም ቀልጢፎም መርመራ ክገብሩ ጸዊዓ።
ድሕሪ ናይዚ መንእሰይ ሞት፡ ድምር ብኮቪድ-19 ኣብ ኣውስትራሊያ ዝሞቱ ሰባት 103 በጺሑ ኣሎ።
መጻምዲ ናይቲ ወዲ 30 ዓመት ብሰሉስ ሰዓት 4:30pm ናብ ገዛኣ ምስተመልሰት ቀልቡ ኣጥፊኡ ጸኒሕዋ።
እቲ ሰብ ኮቪድ-19 ብኸመይ ከምተለኽፈ ኣይተፈልጠን ዘሎ እንተኾነ ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ካብ ብላክዋተር ኣይወጸን።
ካልእ ሕማም ከምዝነበሮ ናይቲ ክፍለግዝ ኣት ሓላፊ ጥዕና ዶር ጃነት ዮንግ ዝገለጸት ኮይና ኩነታት ኣማውታኡ ይምርመር ኣሎ ኢላ።
"እቲ ዉጽኢት መርመራ ትማሊ ለይቲ ሰዓት 11pm ተቐቢልና፡ በቲ መልከፍቲ ከምዝሞተ እዩ እቲ ጥርጠራ ዘሎ" ኢላ።
ኣብ ሰላሳታት ዕድመ በዚ ቫይረስ ዝሞተ ንሱ ጥራይ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ሰብ ኣብ ናይ ኣርባዓታት ዕድመ ከምኡውን ክልተ ሰባት ኣብ ናይ ሓምሳታት ዕድመ ብኮቪድ-19 ሞይቶም።
ሎሚ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ናይ 1.5 ሜትሮ ክረሓሓቕን ምስ ስድራ እንተዘይኮይኑ ካብ ክልተ ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኣይፍቀድን ዘሎ።
በቲ ቫይረስ ተለኺፍካ ከይትኸውን እንተሰጊእካ፡ ናብ ዶክተርካ ደውል (ናብ ኡ ኣይትኺድ) ወይውን ናብ ሃገራዊ ኮሮና ቫይረስ ናይ ጥዕና ሓበሬታ ሆትላይን ብቑጽሪ 1800 020 080 ደውል። ናይ ምትንፋስ ጸገም እንተጋጢሙካ ወይውን ንህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ብቑጽሪ 000 ደውል