Advertisement
  • Egypt and Eritrean leaders discussed (AAP)
‘ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ጸጥታን ምርግጋእን ህሉው ኩነታት ነንሕድሕዶም ንኽደጋገፉ ኣብ ብዙሕ መዳያት ከምዝዘተዩ’ ወሃብ ቃል ፕረሲደንት ግብጺ ባሳም ራዕዲ ሲዒድ ገሊጹ። ብፍላይ ወሽመጥ ቀይሕ ባሕሪ ባብ ኣል መንደብን ቀርኒ ኣፍሪቃን እቶም ቀንዲ ምርግጋእ ዘድልዮም ዞባ ዓለም ምዃኖም ትኹረት ዝተዋህቦም ምዃኑ እቲ ወሃብ ቃል ገሊጹ።
Tigrinya

ግብጺ ብሰንኪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓቢ ሓጽቢ ምስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ሱዳን ድማ ብምስሕሓብ ዶብ ኣብ ተዋጠጥ ኣትያትሉ ዘላ ጉዳይ ብዝምልከት መራሕቲ ኤርትራን ግብጺን ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ኣሶሼት ፕረስ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ።

 እቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምህናጹ ክዛዘም ቀሪቡ ዘሎ ሓጽቢ ህዳሰ፡ ግብጺ ናብ ሃገራ ዝውሕዝ ማይ ከይጎድል ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዋ ኣሎ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ጽልኢ ኣብቲ ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ መጥቃዕቲ ንከተውርድ ናይ ዉክልና ተልእኾ ሒዛ ተቓወምቲ ዕጡቓት ተሰልጥን ኣላ ብምባል ንኤርትራ ትኸሳ።

 ናይ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ቤተ መንግስቱ ተቐቢሉ ናይ ድራር እንግዶት ዝገበረሉ ኮይኑ፡ ‘ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናይ ጸጥታን ምርግጋእን ህሉው ኩነታት ነንሕድሕዶም ንኽደጋገፉ ኣብ ብዙሕ መዳያት ከምዝዘተዩ’ ወሃብ ቃል ፕረሲደንት ግብጺ ባሳም ራዕዲ ሲዒድ ገሊጹ። ብፍላይ ወሽመጥ ቀይሕ ባሕሪ ባብ ኣል መንደብን ቀርኒ ኣፍሪቃን እቶም ቀንዲ ምርግጋእ ዘድልዮም ዞባ ዓለም ምዃኖም ትኹረት ዝተዋህቦም ምዃኑ እቲ ወሃብ ቃል ገሊጹ።

ኣብ ቐጠር ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ግብጺ ወተሃደራታ ኣብ ኤርትራ ኣእትያ ኢሉ ጸብጺቡ ነይሩ። ጉጅለ ተቓዋሚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ ዉዱብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ  ብወገኑ ዝሓለፈ ዓመት ግብጺ ኣብ ደሴት ዳህላክ ወተሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ከምዘላን 30 ሺሕ ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ክዋፈሩ መደብ ከምዘሎን ኣቃሊዑ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ጽሒፉ ነቲ ናይ ኣልጀዚራ ጸብጻብ ናይ ሓሶት ዜና ምርባሕ’ዩ ብምባል ነቒፍዎ ነይሩ፡፣

ሱዳን ብዛዕባ ምህናጽ ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያ ስለዘደገፈት ግብጺ ምስ ሱዳን ኣብ ኩራ ኢያ ኣትያ ዘላ፡፣ ሱዳን ኣብ ግብጺ ዝነበረ ኣምባሳደራ ካብ ካይሮ ዝሰሓበት ኮይና እቲ ኣብ 2016 ኣብ መንጎ ግብጺን ሱዕዲ ዓረብን ምሕንጻጽ ማያዊ ዶብ ኣብ ግዝኣታ ጣልቃ ዘእቱ’ዩ ብምባል ሱዳን ክትከስስ ጸኒሓ። ኣቲ ዝበሃል ዘሎ ማያዊ ግዝኣት ኣብ ትሕቲ ግብጺ ዘሎ ኮይኑ ሱዳን ናተይ ግዝኣት’ዩ ኢላ እያ ትከራኸር፡፣ ንመንግስቲ ግብጺ ዝድግፍ ማዕከን ዜና ከምዝገለጾ ሱዳን ምስ ቱርኪን ቐጠርን ተሻሪኻ ኣንጻር ግብጺ ትሰርሕ ኣላ ኢሉ።

ኢትዮጵያ እቲ ትሃንጾ ዘላ $5 ቢሊዮን ዶላር ዝውድእ ሓጽቢ ነቲ ዝሕንበብ ዘሎ ቁጠባኣ ኣድላዩ ምዃኑ እያ ትገልጽ። እቲ ዝበዝሐ ካብ 95 ሚሊዮን ህዝባ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪ ዝህብ እዩ ድማ ትብል፡፣  እቲ ሓጽቢ ምስ ተወድኤ ልዕሊ 6,400መጋዋት ሃይድሮ ኢለክትሪካዊ ጸዓት ከፍሪ እዩ።

 እታ ዳርጋ ክንዲ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዋ ግብጺ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ዉዕል 1929 ከም ኡውን 1959 ዝበዝሐ ግንዖ ናይ  ማይ ኒል እያ ክትወስድ ጸኒሓ ኣብቲ ተፋሰስ ዘለዋ ሃገራት ብዝሒ ህዝበን እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉን ቁጠባእን ኣብ ዝሃንጻሉን ዘለዋ ብፍላይ ኢትዮጵያ ንሕናውን ክንጥቀመሉ ይግባእ ብዝብል ምስ ግብጺ ኣብ ሰሓቦ ጉተቶ እየን ኣትየን ዘለዋ። ኤርትራ ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጽልኢ ካብ ጎረባብታ ዝኾና ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈሊያ ወገን ግብጺ ዝሓዘት ስለኾነት’ዩ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ካይሮ ከይዱ ምስ ኣል ሲሲ ዝማሻጠር ዘሎ ክብሉ ተዓዘብቲ እቲ ዞባ ይገልጹ።