SBS Radio App

Download the FREE SBS Radio App for a better listening experience

Advertisement
“ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያን ታንዛኒያን ሰላም ከይሃለወ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላም ክህሉ ኣይሕሰብን እዩ። ኩለን ዝተኣሳሰራ እየን። ኩለን እዘን ሃገራት ብዝዕምብብ ናይ ሓባር ቁጠባዊ ፕሮግራማት ተረባሕቲ ክኾና ይኽእላ እየን። እዚ ኢና ድማ ንሕና ንገብር ዘለና። ንሶማሊያ ጥራይ ዘይኮነስ ንብምልኡ እዚ ዞባ ኢና ንሰርሕ ዘለና::”
Tigrinya
Source:
VOA
25 Nov 2018 - 11:48 PM  UPDATED 25 Nov 2018 - 11:48 PM

እዚ ጸብጻብ ካብቲ ሓዲጽ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣብ ሶማሊያ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ፕሮግራም ቋንቋ ሶማሊ ዝገብሮ ዝተወስደ  ጽሟቕ ትሕዝቶ እዩ። ዶናልድ ያማማቶ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ 20 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ከም ዝለዓለ ዲፕሎማሰኛ ኮይኑ ሰሪሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገብርኦ ዘለዋ ምቅርራብ እጃም ከምዘለዎ እዩ ዝንገር። ነዚ ተመኩሮ ሒዙ ድማ’ዩ ናብታ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብኩናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ሶማሊያ ከም ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ። ንሱ ሓደ ሰሙን ናብ ሞቓዲሾ ቅድሚ ምእታዉ፡ ኣብ ሕምብርቲ እታ ከተማ ኣብ ኣፍደገ ሆቴል ሳሓፊ ቦምባታት ዝጸዓና ሰለስተ መኻይን ተፈንጂረን። ከምሳዕቤኑ ድማ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም። እቲ ንፈደራል መንግስቲ ሶማልያ ንዓሰርተታት ዓመታት ድቃስ ከሊእዎ ዘሎ ኣልሸባብ ድማ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ ኣሎ።

እዚ ይኹን እምበር እቲ ኣብ ሶማሊያ ሓዲሽ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ያማማቶ “ኣብዚ ዞባ ተስፋ ንርኢ ኣለና፡ ንፈለማ እዋን እናዓበዩ ዝኸዱ ዘለዉ ዕድላት ንርእይ ኣለና።” ክብል እዩ ነቲ ኩነታት ዝገልጾ።

ኣምባሳደር ያማማቶ እቲ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተገይሩ ዘሎ ዕርቂ፡ ሶማሊያ ከምጽቡቕ ኣጋጣሚ ክትጥቀመሉ ብዘለዎ ተመክሮ ክሕግዝ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ኣመሪካ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ብሓፈሻ ድማ ኣብ መላእ ሶማሊያ ህላውነታ ብምርግጋጽ ብሓድሽ መልክዕ ንሶማሊያ ንምሕጋዝ ሃገሩ ድልውቲ ከምዝኾነት እዩ ኣምባሳደር ያማማቶ ዝገልጽ። ኣብ መጻኢ ዝጽበዮ ብድሆ ከቢድን ሓደገኛን ከምዘይኮነ ድማ ዩማማቶ ይእመን።

ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣብዝቅሩብ እዋን ንኮሚተ ሰነት ብዛዕባ ዝምድናታት ወጻኢ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ከም ኣምባሳደር ኣብ ሶማሊያ ትካላዊ ኣሰራርሓን ምሕደራን ኣብ ሶማሊያ ንምድልዳል ከምዝሰርሕን ነቲ ብ AMISOM ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማሊያ ተታሒዙ ዘሎ ምኽባር ጸጥታ ብሓይሊታት ሶማሊያ ንኽትካእ ከምዝጽዕርን ብፍላይ ንመንእሰያት ሶማሊያ ዝምጥን ቁጠባዊ ዕብየት ንምፍጣንን ቅልውላው ሰብኣዊ መግብን ጥዕናን ንምፍታሕ ከምዝሰርሕን ቃል ኣትዩ ኔሩ።

እቲ ቀንዲ ፍታሕ ኣብ ሶማሊያን ከባቢኡን ሓድነት ቀንዲ መፍትሒ ቅልውላው እቲ ከባቢ ከምዝኾነ እዩ ኣምባሳደር ያማማቶ ዝኣምን።

“ኣብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ኬንያ፡ ሶማሊያን ታንዛኒያን ሰላም ከይሃለወ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰላም ክህሉ ኣይሕሰብን እዩ። ኩለን ዝተኣሳሰራ እየን። ኩለን እዘን ሃገራት ብዝዕምብብ ናይ ሓባር ቁጠባዊ ፕሮግራማት ተረባሕቲ ክኾና ይኽእላ እየን። እዚ ኢና ድማ ንሕና ንገብር ዘለና። ንሶማሊያ ጥራይ ዘይኮነስ ንብምልኡ እዚ ዞባ ኢና ንሰርሕ ዘለና::” ክብል ኣምባሳደር ያማማቶ ይገልጽ።

ከም ራእይ ያማማቶ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸጋታት ናብ ሓደ ምምጻእ ማለት ኣብ ወደብ ጂቡቲ ዘሎ ምዕቡል መሳለጥያታት ካርጎ፡ ናይ ኤርትራ ሰፊሕ ስትራተጂካዊ ገማግም ባሕሪን ዕደናን ከምኡውን ናይ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ መዐቀኒ ዝሓዘ ናይ ኣዲስ ኣበባ መዓርፎ ነፈርቲ ተጠቒምካ ብቐጥታ ናብ ዕዳጋታት ኣመሪካ ንብረት ምጉዕዓዝ እዩ።

ኣብቲ ዞባ ብንጥፈት ምስዝዋሰኣ ዘለዋ ሃገራት ካልጅ ክሳብ ራሻን ቻይናን ምትሕብባር ክህሉ ኣድላዪ ምዃኑን ነዚ ንምግባር ጻዕሪታት ከምተገብረን ኣምባሳደር ያማማቶ ገሊጹ። ንኣፍሪቃ ሸለል ምባል ዘየዋጽእ ኣማራጺ ምዃኑ እዩ እቲ ኣምባሳደር ኣብቲ ቃለ መሕትት ዝገለጸ።

ሓደ ክፍለዘመን ኣብ ዘይመልእ ጊዜ 40 ሚእታዊ ህዝቢ ዓለምን 30 ሚእታዊ ጉልበትን ካብ ኣፍርቃ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መጻኢ ኣፍሪቃ ድማ ብኸምዚ ይገልጾ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማሊያ ዶናልድ ያማማቶ።

 “ኣፍሪቃ እታ ቀንዲ ተዋሳኢት ኣብ ዓለም ክትከውን እያ። ስለዚ ርጉእ፡ ዝዕምብብን ቁጠባዊ ምዕባለ ዝረኣየሉ ክፍለ ኣህጉር የድሊ። ዘይርጉእን ዝተኸፋፈለ ኣህጉር ክህልወካ ኣይትደልን ኢኻ።”