SBS Radio App

Download the FREE SBS Radio App for a better listening experience

Advertisement

ብ24 ግንቦት 2014፣ ብመራሒ ሃገረ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተገልጸን ኣብ እዋኑ ብዙሕ ዘዛረበን መብጽዓ ተሰሚዑ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ሽዑ ዝተሰምዐ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ክጅመር ምዃኑ ዝሕብር መደረ ፕረዚደንት ኢሳያስ፣ እቲ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ ዝብል ዜና ከየስዓበ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ። ድሕሪቲ ገለ ወገናት ብቕንዕና ድዩ ወይስ ንሃልኪ ህዝባዊ ርክባት እናበሉ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጠመትዎ መደረ፣ ክሳብ ሎሚ ዜና ምጅማር መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ክስማዕ ዘይምኽኣሉ ናይ ብዙሓት ሕቶ ኾይኑ ብምህላው ነቲ ሕቶ ምኽንያት ብምግባር ንሎሚ ካብ ቃላት መራሕቲ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን ፕረዚደንት ኢሳያስን ብዛዕባቲ መሰረታዊ ባእታ ቅዋማዊ ስርዓት ምዃኑ ዝንገረሉ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝሃብዎ መግለጺታት ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ሰናይ ምክትታል።

Published on
Saturday, November 22, 2014 - 08:08
File size
5.4 MB
Duration
11 min 47 sec