
SBS Radio App
Download the FREE SBS Radio App for a better listening experience
ሰራዊት ግምባር ነጻነት ኦሮሞ ንከተማ ነቀምቲ ወሲኽካ ልዕሊ 40 ወረዳታት ኦሮሚያ ተቖጻጺሩ ዓመታዊ ግብሪ ዘኽፍል ዘሎ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ። እቲ ዉድብ ብኣቶ ዳውድ ኢብሳ ዝምራሕን ኣብ ከተማ ኣስመራ ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ዝንቀሳቐስ ዉዱብ እዩ። ኣብዚ እዋን ብኣቶ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስቲ ዉዱብ ውዕል ተፈራሪሙ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል መዓልታት መራሕቲ እቲ ዉድብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘምርሑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ወሲኹ ናይ ልኡኽና ጸብጻብ።