SBS Radio App

Download the FREE SBS Radio App for a better listening experience

Advertisement
(Social media)

ናይ ፈደራል መንግስቲ ሓይሊታት ድሕሪ ምውፋሮም፡ ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሶማሊያ ብቐዳም ዝጀመረ ዕግርግር ናብ ምሉእ እቲ ክልል ሊሒሙ ኣሎ። 

መሰኻኽር ከምዝገለጽዎ ኣብቲ ዕግርግር ቀንዲ ዒላማ ኮይኖም ዘለዉ ናይ ሶማሊያ ዓልየት ዘትብሎም ህዝቢ እዮም።

By
Beyene Semere
Published on
Sunday, August 5, 2018 - 10:34
File size
12.13 MB
Duration
6 min 38 sec

ናይ ፈደራል መንግስቲ ሓይሊታት ድሕሪ ምውፋሮም፡ ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሶማሊያ ብቐዳም ዝጀመረ ዕግርግር ናብ ምሉእ እቲ ክልል ከምዝለሓመ ሮይቶርስ ካብቲ ቦታ ጸብጺቡ ኣሎ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝገለጽዎ ኣብ ጂግጂጋ ብዓርቢ መንግስቲ ፈደራል ንሰብ መዚ እቲ ክልል ንምቁጽጻር ሰራዊት ምስ ኣዋፈረ፡ ናይቲ ክልል ዕጡቓት ብቐዳም ምስቶም ናይ ፈደራል ሰራዊት ኩናት ገጢሞም። በዚ ዝተበገሰ ኣብ 4 ከተማታት እታ ክልል ዕግርግርን ንብረት ክዓኑን ጀሚሩ።.

መሰኻኽር ከምዝገለጽዎ ኣብቲ ዕግርግር ቀንዲ ዒላማ ኮይኖም ዘለዉ ናይ ሶማሊያ ዓልየት ዘትብሎም ህዝቢ እዮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ክልተ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝተቓጸሉ ኮይኖም ዱካናት፡ ሆቴላትን ባንካታትን ተዓጽዮም ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ጥይት ድምጺታት ይስማዕ ኣሎ።

ካልእ ምስክር ካብ ጅግጂጋ ከምዝሕብሮ ንሰብ መዚ ክልል ሶማሊያ ኣብ ቁጽጽር ንምውዓል ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ኣብ ጂግጂጋ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይግለጽ ከምዘሎ፡ ናይቲ ክልል ፕረሲደንት ኣብዱ ኤለ፡ በዚ ናይ ዶክተር ኣቢይ ለውጢ ፈደራል ስርዓት ይጠሓስ ኣሎ ብምባሉን  ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽእ ተጸዊዑ ምስ ኣበየን ዝመጸ ዘይምርድዳእ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጂግጂጋን ዝርከቡ ሰብ መዚ ብዛዕባዚ መብርሂ ክህቡ ተሓቲቶም ዛጊት ኣይተዛረቡን ዘለዉ።  እንተኾነ ሰራዊት ፈደራል ናብቲ ክልል ተዋፊሮም ከምዘለዉ ምክልኻል ተኣሚኑ ኣሎ።

“እቲ ዕግርግር ብሰራዊት ምክልኻል ደው ክብል ተፈቲኑ ጸጥታ ግና ክሰፍን ኣይከኣለን” ክብል እቲ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

“ናይቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ስግኣት ወዲቑ ስለዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ከምዚ እናረኣየ ኢዱ ኣጣሚሩ ኣይርእን” ክብል እቲ መግለጺ ይውስኽ።

 ኣብ ክልል ሱማሌ ኢትዮጵያ ከተማ ጅግጅጋ ዘጋጠመ ቀጺሉ እውን ናብ ካልኦት ከተማታት እቲ ክልል ዝለሓመ ህውከት፥ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉን ብህጹፅ ደው ክብል ዝግበኦ ተግባርን ምዃኑ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ካልኦት ሓይሊታት ጸጥታ ብሓባር ብምዃን ንዝተፈጠረ ህውከት ብቐረባ ክከታተል ከምዝጸንሐ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፥ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ንምቁጽጻርን ህዝቢ ንምርግጋእን ጻዕሪ እንተተገበረ እውን እቲ ህውከት በቲ ዝተደለየ ቅልጣፈ ደው ክብል ከምዘይከኣለ ኣብሪሁ።

 ሚኒስተር ሓበሬታ ክልላዊ መንግስቲ ሶማሊያ እድሪስ ኣብዲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእክቲ ግና፡   ምውፋር ፈደራላዊ ሰራዊት ኣብ ጂጅጋ ዘሕጋዊን ዘይሕገመንግስታዊን እዩ፡ ፈደራል ሰራዊት ኣብ ሓደ ክልል ዝዋፈር ካብቲ ክልል ጠለብ ምስዝመጾ ጥራይ እዩ ኢሉ።

ዞባ ሶማሊያ ኢትዮጵያ ኣብዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣይረግኤን። መንግስቲ ምስቲ ነቲ ዞባ ክግንጽል ዝቃለስ ሃገራዊ ግምባር ነጻነት ኦጋዴን ONLF ካብ 1984 ኣትሒዙ ክቃለስ እዩ ጸኒሑ።

ካብ 2017 ኣትሒዙ ድማ ዞባ ሶማሊያ ኢትዮጵያ ምስ ኦሮሚያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ዕግርግር ስለዝጸንሐ ኣሻሓት ህዝቢ ካብቦታኡ ተፈናቒሉ ይርከብ።

ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ድማ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ናይቲ ክልል መንግስቲን ዘሎ ዝምድና እናላሕለሐ ናብዚ ኩነታት ኣምሪሑ ይርከብ። ሃገራዊ ግምባር ነጻነት ኦጋዴን ONLF ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰራዊት ፈደራል ናብቲ ዞባ ምውፋር ማለት ንምምሕዳር ዞባ ሶማሊያ ንምቁጽጻርን ኣብቲ ዞባ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣርን እዩ ኢሉ። ነቲ ሓዲሽ ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ ሰላማዊ መስርሕ ክጅምር ጸዊዑ ኣሎ።

ካልእ ምንጭታት ዜና ከምዝገልጽዎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልልን: ካልኦት ወሰንቲ ትካላትን ከምዝትቖጻጸረ ጸብጺቦም ኣለዉ:: በቲ ዝነበረ ግጭት ሓያሎ ሰባት ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ'ውን ተፈሊጡ::

 ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ሱማሌ ንምርግጋጽ ዓሊሙ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዝሓለወ ስጉምቲ ከምዝወስድ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣፈራሪሑ ኣሎ።

 ብኻልእ ወገን ነዚ ናይ ክልል ሶማል እዋናዊ ኩነታት ዝምልከት  ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መግለፂ ኣውጺኡ ኣሎ እቲ መግለጺ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡

ኣብ ክልል ሶማለ ዝተፈጥረ ግጭት ናብ ዝኸፍአ ህውከትን ቅልውላውን ዘእቱ ተግባር ስለዝኾነ ብህፁፅ ጠጠው ንክብልን ልዕልነት ሕጊ ንኽረጋገፅን መንግስቲ ክልል ትግራይ ይፅውዕ፡፡

ዝኾነ ይኹን ሽግር ብሕጋዊን ሓላፍነት ብዝተመልኦን ኣግባብ እምበር ብሓይሊ ክትፈትሕ ምፍታን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ንፌዴራላዊ ስርዓትና ዘፍርስ ስለዝኾነ ብህፁፅ ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡

መንግስቲ ፌዴራልን መንግስት ክልል ሶማለን እውን እቲ ዝተፈጥረ ፀገም ብዝተረጋግዐን ውሕሉል ብዝኾነን ኣግባብ ብምእላይ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብ ንምርግጋፅ ብውነ ክሰርሑ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምሽርራፍን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ናብ ሓደጋ ዘውድቕን ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ በዘይ ውዓል ሕደር ክእረም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብጥብቂ የተሓሳስብ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ በዚ ግጭት ምኽንያት ንዝጠፍአ ህይወትን ንዝዓነወ ንብረትን መሪር ሓዘን ከምእተሰምዐና እናገለፅና ንቤተሰብ፣ ፈተውቲ፣ ምሓዙትን ግዳያትን ንመላእ ህዝቢ ክልል ሶማለን ፅንዓት ይሃባኩም ክንብል ንፈቱ፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ

 ነዚ ኣብ ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ምስዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣታቶ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘየሐጎሶም ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ተደሚሩ ምስቲ ኣብታ ሃገር ሰሪቱ ዘሎ ባዕልኻ ናይ ባዕልኻ ምምሕዳር በቲ ሓደ ወገን  ቲም ለማ ብዝብል ዝፍለጥ ናይ ለውጢ ጉጅለ ነቲ ኣብ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ዝጸንሐ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክቕይር ዝገብሮ ዘሎ ላዕሊ ታሕቲ፡  ኢትዮጵያ ናብ ዝገደደ ናይ ምፍርኻሽ ኣንፈት ተምርሕ ኣላ ዝብል ናይ ብዙሓት ክፍታ ኮይኑ ኣሎ።

Transcript

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ ክልተ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝተቓጸሉ ኮይኖም ዱካናት፡ ሆቴላትን ባንካታትን ተዓጽዮም ኣለዉ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናይ ጥይት ድምጺታት ይስማዕ ኣሎ።