SBS Radio App

Download the FREE SBS Radio App for a better listening experience

Advertisement
(SBS Tigrinya)

ሞ ኢብራሂም ፋውንደሺን ዝበሃል ትካል ኣብ 2006 ዝተጣየሰ ኣብ ኣገዳስነት መሪሕነትን መንግስትነትን ኣፍሪቃ ዘተኩር እዩ።  እዚ ትካል ብ ሞ ኢብራሂም , ዝተባህለ ሱዳናዊ ወናኒ ቢሊዮናት ዶላራት ነጋዳይን ገባሪ ሰናይን እዩ።  ሞ ኢብራሂም  ፋውንደሽን ነቶም ብፍቓዶም ስልጣኖም ዝሓድጉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈለማ $5 ሚሊዮን ዶላር ክሳብ ዝሞቱ ድማ ዓመታዊ $200,000 ይከፍል።

ብዘይካ’ዚ ስልማት ሞ ኢብራሂም ፋውንደሺን  መዛተዪ ፎረም እናዳለወ መራሕቲን ፖለቲከኛታትን የዛቲ። ኣብዚ ቕነ ንናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዓዲሙ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዕዱማት ላዕለዎት ሰብ መዚን ኣፍሪቃ ዘተ ኣካይዱ። ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም  ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ተላዒሉ፣ ቀ. ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሃቦ መልሲን ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ዘቕረቦ ርእይቶን ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

By
Beyene Semere
Published on
Tuesday, May 1, 2018 - 13:55
File size
24.22 MB
Duration
13 min 14 sec