መንግስቲ ትግራይ ምስ ክልል ኣምሓራ ክዋጋእ ውጥን ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ክወግአና ይሰናዳእ ኣሎ ዝብል ክሲ መንግስቲ ኣምሓራ ዝነፀገ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ዝተሞርኮሱ ዕዮታት ከም ዝተፀምደ ብምግላፅ ህዝቢን መንግስትን ትግራይ ንሓዉ ህዝቢ ኣምሓራ ክወግእ ከም ዘይህቅን ኣረዲኡ። ልዕሊ 50 ሽሕ ተጋሩ ብዓሌቶም ተለልዮም ሀብተ ገነቶም ተምንዚዖም ናብ ትግራይ ከም ዝተሰጎጉ፣ ካልኦት ቁፅሮም ዘይተረቑሐ እውን ብእምኒ ተቐጥቂጦም ከም ዝተቐትሉ ዘዘኻኸረ መንግስቲ ትግራይ ንኲናት ዝጎስጉስን ክሳብ ብማእለያ ዘይብሎም ሚድያታት ዝተሓገዘ ኣዋጅ ወራር ካብ ፀረ ልምዓትን ፀረ ሰላምን ሓይሊ ክፍኖ ከም ዝፀንሐ ሓቢሩ። ሰላም፣ ዴሞክራስያዊ ፌዴራላዊ ስርዓትን ልምዓትን ንኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ንህዝቢታት ትግራይን ኣምሓራን ከኣ ብፍሉይ መተካእታ ዘይብሎም ሃብትታት ከም ዝኾኑ ብምንፃር ብዕቱብ ክስረሐሎም መንግስቲ ትግራይ ተላቢው።
ብካልእ ዜና
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። መተካእትኦም ድማ ዶ.ር ኣምባቸው መኮንን ርእሰ ምምሕዳር እታ ክልል ከኾኑ ተመዚዞም። እቶም ካብ መዝነቶም ዝተኣልዩ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ካብ ዘስምዑ መሰናበቲ መደረ ህዝቢታት ትግራይ ን ኣምሓራን ንወረታት ዕሽሽ ኢሎም ሕውነታዊ ርክቦም ከሐይሉ ተማሕፆኖም። ኣይተ ገዱ ብማእኸላይ መንግስቲ የማናይ ኢድ እቲ ሓዱሽ ለውጢ እናተብሃሉ ዝምጎሱ እኳ እንተኾኑ ብወገን ትግራይ ግን ብግህሰት መሰላት ተጋሩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኽሰሱ እዮም። እቶም ሕጂ ናብ መዝነት ተወጢሖም ዘለዉ ወዲ 48 ዓመት ዶ.ር ኣምባቸው መኮንን እውን እንተኾነ ወልቃይትን ራያን ናብ ኣምሓራ ክኣትዋ ተሪሮም ክሰርሑ ከም ዝደልዩ ንዝተፈላለያ ማዕኸናት ዜና ኢትዮጵያ ክገልፁ ዝፀንሑ እዮም። መዝነት ዶ.ር ኣምባቸው መኮንን ነቲ ኣብ መንጎ ትግራይ ን ኣምሓራን ዘሎ ወጥሪ ከበርትዖ ይኽእሉ እዩ ዝብሉ ወገናት በቲ ሓደ ሸነኽ ናብ ውሽጣዊ ውራይዮም ዘድህቡሉ ዛዕባ ክዓዝዝ ይኸውን እዩ ዝብሉ በቲ ካልእ ሸነኽ ሕመረት ነጥቢ ክትዖም ገይሮምዎ ኣለው።
ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብዕፃ ዝተዓደሉ ናይ ሕብረት ገዛውቲ ኣጊዱ። እቲ ምምሕዳር ድሕሪ እቲ መናእሰይ ኦሮምያ ኣብ ዝተፋላለዩ ከባቢታት ዘቃልሑዎ ተቓውሞ ምዕዳል እቶም ገዛውቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፤ እቶም ኣብ ወሰናወሰን ኣዲስ ኣበባ ዝተሃንፁ ገዛውቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣዲስ ኣበባ ንገዛእ ርእሳ ናይ ኦሮምያ ከም ዝኾነት ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣሐይሉ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጡ። ውድብ ኣምሓራ አዴፓን ውድብ ኦሮምያ ኦዴፓን ብሰንኪ ጉዳይ መቐሎ ስልጣን ኣብ ፌዴራልን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝነበሮም ልፍንቲ ላሕሊሑ ናብ ምትፍናን ከም ዝኣተዉ ዝንገር ዘሎ ኮይኑ ፤ ቀዳማይ ሚንስትር ዶ.ር ኣብይ ኣሕመድ ዛጊድ ዛዕንኡ ዘይተነፀረ ምብፃሕ ኣብ ባህርዳር የቃንዑ ኣለው።

