Ethiopia's OPDO changes name and logo

A partner in the ruling coalition party, Prime Minister Abiy's Oromo People's Democratic Organisation changes its name and logo. The new name is Oromo Democratic Party (ODP). ደሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ (OPDO) ሓድሽ ስምን ኣርማን ቀይሩ።

OPDO to ODP
Source: Africanews

ደሞክራሲያዊ ውድብ ህዝብታት ኦሮሞ (Oromo People Democratic Organisation - OPDO) ስሙ ናብ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ኦሮሞ (Oromo Democratic Party - ODP) ከም ዝቐየረ ኣፍሊጡ። እዚ ዝተፈልጠ ኣቦ ወንበር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትሉን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሞን ዝኾነ ለማ መገርሳን ልዕሊ 6000 ልኡኻት ኣባላት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ጂማ፡ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ዘካየዶ 9ይ ጉባኤ’ዩ። እዚ ንነዊሕ እዋን ትሒም ትሒም ክበሃለሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ወግዓዊ ገይርዎ ጥራይ ዘይኮነ ኣርማ ሰልፊ’ውን ቀይሩ’ሎ። ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ ውድብ እዚ ለውጢ እቲ ሰልፊ በጺሕዎ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ዘንጸባርቕ’ዩ ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብናይ ሕወሓት ዓብላሊ መሪሕነት ክጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕድመ ንእስ ዝበሉን ማእከላይ መርገጺ ኣብ ጉዳይ ብሄርነትን ኢትዮጵያዊ ሃገራውነትን ዘለዎ መሪሕነትን ኣባላትን ብምምራጽ መሪሕ ተራ ክጻወት ጉዕዝኡ ደጊሙ ጀሚሩ’ሎ ይብሉ ብዙሓት ኣባላቱ። እቲ ሰልፊ ብተወሳኺ ነዞም ዝስዕቡ ነዊሕ እዋን ከገልግሉ ዝጸንሑ ገዳይም ኣባላቱ ካብ ንጡፍ ኣባልነት ሰልፊ ኣፋንዩ። ኣባዱላ ገመዳ፡ ጌታቸው በዳነ፡ ኩማ ደመቅሳ፡ ኣምባሳደር ግርማ ብሩ፡ ዲሪባ ኩማ፡ እሸቱ ደሴ፡ ተፈሪ ቲያሩ፡ ሺፈራው ጃርሶ፡ ደግፌ ቡላ፡ ሱሊማን ደደፎ፡ ኣበራ ሃይሉ፡ ኢተፋ ቶላ፡ ዳኛቸው ሺፈራውን ኣምባሳደር ጊፍቲ ኣባስያን።

ክልቲኦም ኣቢይን ለማን ንኣባላት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ’ቲ ክልል ዝርከባ ኩለን ፖለቲካውያን ሰልፍታት ክሓብራን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምትዕርራያትን ለውጥታትን ከጠናኽራን ክዕቅባን ጸዊዖም። ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ክልተ ካልኦት ዓበይቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንረብሓታት ኦሮሚያ ንምስራሕ ብምባል ከምዝሰመራ ኣፍሊጠን’የን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2020 ደሞክራሲያዊ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ኣዊጁ ጥራይ ዘይኮነ ሰልፉ እንተተሳዒሩ’ውን ስሉጥን ሰላማዊን ምስግጋር ክህሉ ከምዘወሃህድ ገሊጹ’ዩ። እተን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ሰልፍታትን ናብ ምርጫ 2020 ምድልዋቶም እናጠናኽሩ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ኣቢይን ሰልፉ ኦዲፒን ሕቶታት’ቲ ተቓውሞታት ዘስምዕ ዘሎ ህዝቢ ኦሮሞ ጥራይ ዘይኮነ ንጸጥታን ቁጠባዊ ምዕባለ ምሉእ ሃገር ከነማልእ ንኽእል ብምባል ዝሓሸ ዕድል ክህልዎም ክሰርሑን ክጉስጉሱን’ዮም።

ሃገራዊ ደሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (Amhara National Democratic Movement - ANDM) ብተመሳሳሊ ስሙን ኣርምኡን ናይ ምቕያር መስርሕ የካይድ’ሎ። እዞም ስጉምትታት ነቶም ውድባትን ምንቅስቓሳትን ዝነበሩ ሕጂ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኮይኖም ዘለው ምስ ቀንዲ መስራቲ ውድብ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ደሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ዝኾነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ሕወሓት) ዝነበሮም ታሪኻዊ ምትእስሳር ንምቕያር ወይ ንምሕዳስ ዝተኻየደ ይመስል። ነብሲ ወከፎም ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ እንተተቐይሮም ምልክት ምብትታን ኢህወደግ ዝእንፍት ወይ ዘመላኽት ክመስል ይኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ቀጻሊ ርክቦም ኣብ ትሕቲ ጽላል ወይ ጥምረት ኢህወደግ ከመይ ክኸውን’ዩ፧ እቲ ጥምረት ክቕጽል ወይ ክብተን ወይ’ውን ፖለቲካዊ ጥምረታትን ምሕዝነታትን ዳግማይ ክቕለሱ ግዚኡ ኣኺሉ ድዩ፧ ምስ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜ ዝካየድ ምርጫታት ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ናይ’ተን ካብ ኢህወደግ ተፈልየን ይኹን ኣብ ትሕቲኡ ክወዳደራ ዝደልያ ሰልፍታት ከመይ ክኸውን’ዩ፧

ሰልፊ ኢህወደግ ኣርባዕቲኦም እቶም መጣምርቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ማዕረ ቁጽሪ ተወከልቲ ከምዝህልዎም ገይሩ’ዩ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝመርሖ። ኣብ ኮንግረስ ነብሲ ወከፎም 250 ኣባላት፡ ኣብ ቤትምኽሪ/ካውንስል 45፡ ኣብ ፈጻሚት ኮሚተ/ኤግዘኲቲቭ ከኣ 9 ኣባላት ኣለዎም።

ገለ ሰባት እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተሃድሶታትን ለውጥታትን ኣብ ዝተረጋግአ ደረጃ መታን ክበጽሕ እቲ ተሞክሮን ሰረትን ዘለዎ ኢህወደግ ብውሑዱ ንገለ ዓመታት እናመርሖ ክቕጽል ይሓይሽ ይብሉ። እዞም ብሕጂ ዝፍጠሩ ጥምረታት ተሞክሮ ክሓጽሮምን ሕልኽላኻት ዝመልኦም ስለዝኾኑን ኣብ ተነቃፊ ግዜ ተነቀፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ይብሉ።


3 min read

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Listen to our podcasts

Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now