Watch FIFA World Cup 2026™ LIVE, FREE and EXCLUSIVE

ጀነራል ፊሊጶስ ዝያዳ መዝነት ይድርብ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ናብ ናይ ቀደም ቦትኡ ይምለስ

New powers to General Philipos Weldeyohannes and General Sebhat Ephrem gets back his old position. ኣብ'ዚ ቅንያት'ዚ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ኤርትራ ተኸሲቶም ይርከቡ ብመሰረት ካብ እሙናት ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡

Top Generals of Eritrea

Source: FB Geeska Africa

መንግስቲ ኤርትራ ምናልባት ምስ’ዚ ጀሚርዎ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ርክብ ምስ ኢትዮጵያን ውሱን ክፉትነትን ንምቅዳውን ንምውዳድን ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ’ዩ። ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ መስርሕ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ንቡር ናይ ሚኒስተር ምክልኻልነት ቦታኡ ክሕዝ’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደየውሃንስ ከኣ ኣብ ልዕሊ እዚ መዓስከር ሳዋ፡ ምብራቓዊን ማእከላውን እዝታት ተወሲኹሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ወናኒ ኣገልግሎት ፕረሰንስ ቲቪ (Presence TV) ነቢይ ሱራፍኤል ደምሴ በታ ቀዳመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንዕኡ ንምቕባልን ኣብ ቀጽሪ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ (Asmara Palace) ዝገብሮ ዝነበረ ስብከት ዝተሓባበርዎ ዝነበሩ ኣመንቲ ብኣባላት ጸጥታ ካብ ኣባይቶም ይልቀሙ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።


1 min read

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Listen to our podcasts

Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now