No where in Africa (SBS) Source: No where in Africa (SBS)ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ዓመታዊ፡ ካብቲ ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽበኦ ኣታዊ፡ ብ41 ቢልዮን ዶላር ዝዛይድ ከምዝምዝመዝ ተገሊጹ። እቲ ካልእ ዓለም ብፍላይ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ካብቲ ናብዚ ዞባ ዝልእክኦ ንላዕሊ ዝምዝምዝኦ ከምዝዛይድ ተሓቢሩ። ሃገራት ትሕተ ሳሃራ ዓመታዊ፡ ብመልክዕ ልቃሕ፡ ሓዋላን ሓገዝን 161 ቢልዮን ዶላር፡ ካብ ካልእ ክፋላት ዓለም ኣታዊ ይረኽባ። እንተኾነ ብዝተፈላለየ መገዲ 203 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ ካብቲ ዞባ ከምዝወጽእ Global Justice Now ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣፍሊጡ። ካብቲ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ዝውጽእ ገንዘብ፡ እቲ 68 ቢልዮን ዶላር ብቐንዱ ኣብ ግብሪ ምድንጋራት ብምፍጣር ይወጽእ። ኣብዚ ምድንጋራት ግብሪ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተዋፈራ ሕብረ ኣህጉራዊ ኩባንያታት ምስ ኣርካናት ኣፍሪቃውያን ብምሽራኽ ንጡፋት ተዋሳእቲ እየን። እተን ኩባንያታት፡ ዘይተኣደነ ሃብቲ ዘኻዕብታ፡ ንዝፍጽምኦ ስርቂ ሕጋውነት ከልብስኦ፡ ብምፍታን እዩ።
ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ዓመታዊ፡ ካብቲ ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽበኦ ኣታዊ፡ ብ41 ቢልዮን ዶላር ዝዛይድ ከምዝምዝመዝ ተገሊጹ። እቲ ካልእ ዓለም ብፍላይ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ካብቲ ናብዚ ዞባ ዝልእክኦ ንላዕሊ ዝምዝምዝኦ ከምዝዛይድ ተሓቢሩ። ሃገራት ትሕተ ሳሃራ ዓመታዊ፡ ብመልክዕ ልቃሕ፡ ሓዋላን ሓገዝን 161 ቢልዮን ዶላር፡ ካብ ካልእ ክፋላት ዓለም ኣታዊ ይረኽባ። እንተኾነ ብዝተፈላለየ መገዲ 203 ቢልዮን ዶላር ዓመታዊ ካብቲ ዞባ ከምዝወጽእ Global Justice Now ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ኣፍሊጡ። ካብቲ ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ዝውጽእ ገንዘብ፡ እቲ 68 ቢልዮን ዶላር ብቐንዱ ኣብ ግብሪ ምድንጋራት ብምፍጣር ይወጽእ። ኣብዚ ምድንጋራት ግብሪ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተዋፈራ ሕብረ ኣህጉራዊ ኩባንያታት ምስ ኣርካናት ኣፍሪቃውያን ብምሽራኽ ንጡፋት ተዋሳእቲ እየን። እተን ኩባንያታት፡ ዘይተኣደነ ሃብቲ ዘኻዕብታ፡ ንዝፍጽምኦ ስርቂ ሕጋውነት ከልብስኦ፡ ብምፍታን እዩ።