እቲ ናይ ዓረብኛ ጋዜጣ ትማሊ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሓሽሽ ኮንትሮባንዳ ዘሰጋግር ንሓደ ናይ ማፍያ ጉጅለ ንምቁጽጻር ዝተገብረ ንኡሽቶ ፍጻመ” ድራማዊ መልክዕ ከትሕዞ ፈቲኑ ብምባል እቲ ጋዜጥዊ መግለጺ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ብትወሳኺ ‘ሕቡእ ኣጀንዳ እቲ ጋዜጣ ኣብቲ ዞባ ዘየለ ጸገም ንምፍጣር ዝኽትሎ ሜላ እዩ፡” ክብል ኮኒንዎ።
ብረቡዕ 3 ሰነ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ደሴታት ዙቑርን ሓኒሽን ናይ የመን፣ መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ንኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ሜጀር ጀነራል ኻልድ ኣል ቓማሊ ጠቒሰን ጋዜጣታት የመን ሓቢረን ኔረን።
ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ ኣልቁዱስ’ውን ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ናብ ደሴታት የመን ድሕሪ ከምተጸግዓን ኣርባዕተ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክጨውያ ከምዝፈተናን ገሊጹ ኔሩ እዩ።