ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትን ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ትንታነ ሂቡ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋሉ ኮይኑ ካልኣይ ክፋሉ ኣብዝመጽእ መደባትና ክቐርብ'ዩ። " ሰራዊት ትግራይ ናብ ትግራይ ምእታዉ ምኽኑይ'ዩ ምኽንያቱ፡ ዘይተወደአ ዉንዙፍ ጉዳይ ዶብ ስለዘሎ፡ ካልኣይ እቲ ንብዙሕ ክፋል ናይ ኤርትራ ዘጠቓልል ሕልሚ ዓባይ ሪፑብሊክ ትግራይ ምፍጣር ስለዘሎ እዞ ህላዌኣዊ ስግኣት ንቐጻልነት ሏኣላዊት ኤርትራ ስለዘሎ'ዩ።"
Share





